Thursday , May 9 2024
Foto Tina Magnergård / TT kod 10510

ሽወደን ናብ ኔቶ ንምጽንባር ምህዋኽ ከም ዘየድልያ ለበዋ ቀሪቡ።

ሽወደን ኣባል ኔቶ ንምዃን እትገብሮ ዘላ ዘተ፡ ኣብ ዘየድሊ ምህዋኽ ምህላዋ ዘመልክት እዩ ክብል ኣምባሳደር UN ነበር ከምኡ’ውን ጡረተኛ ሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ፡ ፒር ሾሪ ገሊጹ። ሽወደን በዚ እንተቐጺላ፡ ኣብ ብርክት ዝበሉ ኣገደስቲ ጒዳያት፡ እንተላይ ምውራድ ኣጽዋራት ኑክሌር፡ ዝጸንሓ ተኣማንነት ክትስእን ትኽእል እያ ክብል እውን ኣጠንቂቑ። እንተኾነ ግና፡ ሚኒስተር ጊዳያት ወጻኢ ነበር ማርጎት ዋልስትሮም፡ ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ፊንላንድ ኣብዚ ጒዳይ እትወስዶ ውሳነ ሽወደን እንታይ ዓይነት ጒዕዞ ክትክተል ምዃና ክጸሉ እዩ ኢላ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com