Thursday , May 9 2024
artur-voznenko-qXCgVJHqJbM-unsplash.jpg

ሩስያ ምስ ምጽንባር ኔቶ ብዝተሓሓዝ ንውሳነ ሽወደን ክትጸሉ ክትፍትን እያ ተባሂሉ።

ሽወደን ኣባል ኔቶ ናይ ምዃን ሕቶ ዳግመ ግምት ጌራትሉ ኣብ ዘላ እዋን፡ ሩስያ ንህዝቢን ፖለቲከኛታትን ሽወደን ንምጽላው ጻዕርታታ ከተዛይድ ከም እትኽእል፡ ብርክት ዝበሉ ክኢላታት ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ኣመልኪቶም።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሉንድ ፕሮፌሰር ትንታነ ድሕነት ቪልሀልም ኣግረል ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሽወደን ኣባል ኔቶ ክትከውን ተኽእሎ ምህላዉ፡ ሩስያ ኣብ ውሽጢ ሽወደን ስለያዊ ንጥፈታት ምግባር ልዑል ቀዳምነታታት ንክኸውን ዝድርኽ እዩ ኢሉ። ሩስያ ኣብ ውሽጢ ሽወደን ሰለያዊ ንጥፈታት ብምክያድ፡ ተግባራት ፖለቲከኛታት ሽወደን ንምትንባይ፡ ሓበሬታ ንምእካብን ንምጽላውን ትሰርሕ ምህላዋ እቲ ክኢላ ወሲኹ ገሊጹ። “ሽወደን ኣብ ድሕነታዊ ፖሊሲኣ እትወስዶ ምርጫ፡ ሩስያ ከመይ ዝበለ ናይ ጽልዋ ስርሒታት ከም እትኽተል ዝጸሉ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነጥቢ እዩ ክኸውን። ኣብዚ ጒዳይ፡ ኣብ ዝቕጽላ ኣዋርሕ ብዙሕ ነገራት ክፍጸም ይኽእል እዩ ኢለ እሓስብ” ክብል ኣግረል ንሬድዮ ሽወደን ገሊጹ’ሎ’።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com