Wednesday , May 8 2024
(Vesa MoilaneN/Lehtikuva via AP) LBL802

ሊንድ፡ ኣብ ጒዳይ ኣባልነት ኔቶ ገና ዝተዋህበ ውሳነ የለን።

ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ኣን ሊንድ፡ ሽወደን ኣብ ጒዳይ ኣባልነት ኔቶ ገና ዝሃበቶ ውሳነ ከም ዘየለ ገሊጻ። ንሳ ኣብ ርእሰ ከተማ ፊንላንድ ሀልስንኪ፡ ምስ ፊንላንዳዊ መዘናኣ ፒካ ሃቪስቶ፡ ክልተኣዊ ርክብ ድሕሪ ምግባራ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ እያ ነዚ ሓበሬታ ሂባ ዘላ ። ኣብ ዞባ ባሕሪ ባልቲክ ዘሎ ጸጥታዊ ኲነታት እንድሕሪ እናኸፍአ መጺኡ፡ ሽወደንን ፊንላንድን ወተሃደራዊ ምትሕግጋዘን ከዕሙቛ ከም ዝኽእላ ሃቪስቶ ኣብቲ ጋዜጣዊ ዋዕላ ገሊጹ’ሎ።.


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com