Thursday , May 9 2024
Foto: Pontus Lundahl / TT / kod 10050

ኤባ ቡሽ ንዝቐረበላ ነቐፌታታት መልሲ ሂባ።

መራሒት ሰልፊ ክርስትያናዊ ዴሞክራሲ ኤባ ቡሽ፡ ፖሊስ ኣብ ልዕሊቶም ኣብ ዋዜማ ፋስጋ ጎነጻዊ ናዕቢ ዘካየዱ ሰልፈኛታት ተዂሲ ክኸፍቱ ምሕታታ፡ ከቢድ ነቐፈታ ከም ዘስዓበላ ተገሊጹ።

ሓደ ካብዚኦም፡ ማሕበር ፖሊስን ሚኒስተር ፍትሒን ኮይኖም፡ ነቲ ኤባ ቡሽ ኣብ ቀዳመ ሰንበት ኣብ ብርክት ዝበላ ከተማታት ሽወደን እተኻየደ ጎነጻዊ ናዕቢ ኣመልኪታ ዝሃበቶ ርእይቶ ፡ብብርቱዕ ነቒፎሞ ኣለዉ። ኤባ ን ሬድዮ ሽወድን ፕሮግራም ቃለ-መሕትት ቐዳመ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ በቲ ጎነጻዊ ናዕቢ ገለ 100 ዝኾኑ ፖሊስ ከም እተጎድኡ ኣመልኪታ።

ኣብ ክንድዚ “100 ኣኽረርቲ እስላማውያን ገበነኛታትን ጎነጻውያንን ናዕበኛታትን ተጎዲኦም” ዝብል ዜና ዘይንስምዓሉ ምኽንያት እንታይ እዩ፡ ክትብል እውን ሓቲታ። ብኻልእ ሽነኽ ን SVT News ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ዘረባኣ ብጌጋ እኳ እንተ ተተርጎመ፡ ሕጂ’ውን ሕቶኣ ብመሰረቱ ቅኑዕ እዩ ኢላ ከም እትኣምን ገሊጻ’ላ። ገለ ሰብ መዚ ፖሊስ፡ እዞም ናዕበኛታት ንኣባላት ፖሊስ ከጥቅዑን መካይኖም ከቃጽሉን እንከለዉ፡ ኣብ ክንዲ ስጒምቲ ምውሳድ ስቕ ኢሎም ምርኣዮም ከይኣክል፡ ምድሕርሓሮም ተቐባልነት የብሉን ክትብል ን ፖሊስ ኣበርቲዓ ነቒፋ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com