Thursday , May 9 2024
Foto: Martin Sylvest/Ritzau Scanpix / TT / kod 93000

ሕሉፍ የማናዊ ፓሉዳን ኣብ ባሕቲ ግንቦት ኣብ ስቶክሆልም ዋዕላ ከካይድ እዩ ተባሂሉ።

ሕሉፍ የማናዊ ምዃኑ ዝንገረሉ ዴንማርካዊ ፖለቲከኛ ራሙስ ፓሉዳን፡ ኣብ ባሕቲ ግንቦት ኣብ ሽወደን ከተማታት ስቶክሆልምን ኡፕሳላን፡ ንዝመርሖ ሰልፊ ስትራም ክላውስ ናይ ምርጫ ዋዕላ ከካይድ እዩ።

ፓሉዳን ድርብ ዜግነት ሽወደንን ዴንማርክን ዘለዎ ኮይኑ ሰልፉ ኣብ ቀውዒ ኣብ ዝካየድ ሃገራዊ ምርጫ ሽወደን ንምስታፍ ተመዝጊባ ምህላዋ ዝፍለጥ እዩ። ብመሰረት ኣገልግሎት ዜና ተተ እዚ ኣብ ከታማታት ስቶክሆልምን ኡፕሳላን ዝግበር ዋዕላኡ ክሳብ 15 ሰባት ዘጠቓልል ኮይኑ መጒልሒ ድምጺ ሜጋፎን፡ መብራህቲታትን መጻሕፍቲን ክህልዎም እዩ።. ፖሊስ ዞባ ቫስት ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ቦራስ ሰላማዊ ሰልፊ ክገብር ዘእተዎ ሕቶ ምኽልካሎም ተገሊጹ’ሎ። ፖሊስ ነዚ ውሳነ ዘሕለፉሉ ምኽንያት ኣብ ብርክት ዝበላ ከታማታት ሽወደን ኣብ ዋዜማ ፋስጋ ብምኽንያት እተኸስተ ጎነጽ ዝመልኦ ዕግርግር እዩ። ኣብዚ ናዕቢ ፓሉዳን መጽሓፍ ቊርኣን ምቅጻሉ ኣዝዩ ኣዘራራቢ ኮይኑ ምሕላፉ ጸብጻባት የመልክቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com