Wednesday , May 8 2024
Foto Johan Nilsson / TT kod 50090

ነፈርቲ ሩስያ ክሊ ኣየር ሽወደን ግሂሰን ተባሂሉ።

ዝሓለፈ ዓርቢ ነፋሪት ኲናት ሩስያ፡ ንደቡባዊ ክሊ ኣየር ሽወደን ብለኪን ጥሒሳ ምእታዋ፡ ሰራዊት ምክልኻል ሽወደን ብቐዳም ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ኣብ ዝዘርግሖ ዜና ኣፍሊጡ።

ነፈርቲ ኲናት ሽወደን ነታ ነፋሪት ከም ዝቖረጽኣ፡ ብርክት ዝበላ ሚድያታት ጸብጺበን ኣለዋ። ነፈርቲ ኲናት ሽወደን ነታ ነፋሪት ምስኣለን፡ እታ ነዚ ምጥሓስ ዝፈጸመት ነፋሪት ሩስያ ኣብ ዘመነ ሕብረት ሶቪዬት ነበር ካብ ዝፈረያን ስለያን ኮለላን ዘካይዳ Antonov An-30 ዝዓይነታ ምዃናን ገሊጸን ኣለዋ። “እታ ነፋሪት ብወገን ምብራቕ ቦርንሆልም ቅልቅል ኢላ፡ ን ሓጺር እዋን ክሊ ኣየር ሽወደን ድሕሪ ምግሃስ፡ ነቲ ቦታ ከም ዝገደፈቶ” ስራዊት ሽወደን ወሲኹ ኣመልኪቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com