Wednesday , May 8 2024
Foto: Johan Nilsson / TT / Kod 50090

ኤጀንሲ ስደተኛታት፡ “ቊጽሪ ናብ ሽወደን ዝኣትዉ ስደተኛታት ዩክሬይን ካብ ትጽቢት ንታሕቲ እዮ”

ኣብ ዝመጽእ ኣዋርሕ፡ ናብ ሽወደን ዝኣትዉ ስደተኛታት ዩክሬይን ካብቲ ትጽቢት ተጌሩሉ ዝጸንሐ ዝወሓደ ከም ዝኸውን፡ ኤጀንሲ ስደተኛታት ሽወደን ሎሚ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።.

ክሳብ ዝመጽእ ወርሒ ሰነ፡ 76,000 ስደተኛታት ዩክሬይን ክኣትዉ እዮም፡ ዝብል ትጽቢት እኳ እንተነበረ፡ ክሳብ ምውዳእ ዓመተ 2022 ኣስታት 80,000 ጥራይ ናብ ሽወደን ክኣትዉ እዮም፡ ዝብል ግምታት ምህላዉ እቲ ኤጀንሲ ወሲኹ ገሊጹ’ሎ። ዳይረክተር ጀነራል ኤጀንሲ ስደተኛታት ሽወደን፡ ሚካኤል ሪበንቨክ እዚ ሰሙናዊ ገምጋም ምጽኣት ስደተኛታት፡ ብጠርጠራ ዝመልአ እዩ ኢሉ’ሎ።.


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com