Tuesday , May 7 2024

ኖርወይን ዓባይ ብሪጣንያን ሓይሊ ባሕሪ ዩክሬን ዳግማይ ንምህናጽ ይሰማምዓ

ከም ኣካል ናይቲ ኖርወይ ምስ ዓባይ ብሪጣንያ እትሃንጾ ዘሎ ሓድሽ ጥምረት፡ ሓይልታት ሓይሊ ባሕሪ ኖርወይ ኣብ ኖርወይ ንዝርከቡ ባሕረኛታት ዩክሬን ከሰልጥኑ ምጽንሖም ተፈሊጡ፡፡ እዚ ንምክልኻል ገማግምን መስመራት ባሕርን ዩክሬን ኣብ ጸሊም ባሕሪ ዳግማይ ንምህናጽ ዝዓለመ ጥምረት እዩ። ብዘይካዚ ካልኦት ሃገራት እውን ኣብዚ ጥምረት ክጽንበራ ተዳልየን ኣለዋ። ሚኒስተር ምክልኻል ኖርወይ ቢዮን ኣሪልድ ግራም ትማሊ ሰኑይ ንመንግስታዊ ፈነወ ኤን.ኣር.ኬ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ንብዙሕ ዓመታት ንቕድሚት ክጥምት ዝጸንሕ ኣረኣእያ ኣለና” ኢሉ። “ኣብዚን ሕጂን እዋን ብዙሕ ድሌታት ኣሎ፡፡ እንተኾነ ግን ከመይ ጌሮም ንነብሶም ከም ዝከላኸሉን ምስ ደረጃ ምዕራባውያን ዝሰማማዕ ሓይሊ ባሕሪ ከማዕብሉን ከም ዝኽእሉ ኣቐዲምና ክንሓስብ ክንክእል ኣለና” ይብል። እዚ ሓድሽ ናይ ምክልኻል ምትሕብባር ኣብ ለንደን ዕላዊ ዝተገብረ ኮይኑ፡ ኖርወይ ንመጀመርታ ግዜ መሪሕነት ኣህጉራዊ ጥምረት ክትሕዝ ክኢላ’ላ። እዚ ሓድሽ “ጥምረት ሓይሊ” ን ጸሊም ባሕሪ ንመጓዓዝያን ንግድን ክፉት ንምግባርን፡ ደቡባዊ ገማግም ባሕሪ ዩክሬን ንምሕላውን ዝዓለመ እዩ። “መራኽብ ሩስያ ብዝተኻእለ መጠን ካብ ገማግም ባሕሪ ዩክሬን ርሒቐን ክመላለሳ ንሓይሊ ባሕሪን ንቁጠባ (ዩክሬን)ን፥ ድኻታት ሃገራት ዓለም ድማ ሰደድ እኽሊ ንምውሓስ ኣገዳሲ’ዩ” ክብል ግራም ኣመልኪቱ። ኖርወይ ን ኣመሪካን ጀርመንን ን ብሪጣንያ ስዒባ ንዩክሬን ዝበዝሐ ወተሃደራዊ ሓገዝ እትህብ ሃገር ምዃና ዝፍለጥ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com