Monday , May 6 2024

ኖርወይ፥ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ከብቅዕ ድሌት ከም ዘለዋ ገሊጻ

መንግስቲ ኖርወይ ከም ኣካል ናይቲ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ተጻብኦታት ደው ንምባል ዝገበሮ ዘሎ ናይ መወዳእታ ፈተነ ዝሓለፈ ዓርቢ ካብ ማእከላይ ምብራቕ፣ ሃገራት ኖርዲክን ቤነሉክስን ዝመጹ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኣብ ኦስሎ ኣአንጊዱ። ኣብቲ ኣጋጣሚ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤስፐን ባርት ኣይደ፡ ቀዋሚ ምቊራጽ ተኹሲ፡ ከምኡ’ውን ግርጭት እስራኤልን ፍልስጤምን ብዘላቕነት ንምፍታሕ እማመ ክልተ ሃገራት ክድፍኣሉ ከም ዝግባእ ገሊጹ’ሎ። ኣይደ “ብዛዕባ ኲናት ቓዛ ብግልጽን ብቕንዕናን ዘተ ክካየድ” ቃል ኣትዩ ነይሩ እዩ። ኣብ ኦስሎ ዝርከቡ ኣጋይሹ ኩሎም “ብዛዕባ ህዝቢ ቓዛ ዓሚቝ ስክፍታ ከምዘለዎም እቲ ኲናት ደው ኢሉ ህዝቢ ካብ ከቢድ ስቓይ ክገላገል” ድሌቶም ምዃኑ ኣስሚሮምሉ’ለዉ። እስራኤል ኣብ ልዕሊ ጋዛ እትገብሮ ዘላ መጥቃዕቲ “ካብቲ ንቡር ዝሓለፈ” እዩ ብምባል ካብ ዝኾነና ቀዳሞት ሃገራት ሓንቲ ኖርወይ እያ። ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኣብ ቓዛ ቅልጡፍ ሰብኣዊ ምቊራጽ ተኹሲ ንኽግበር ዝሕግዝ ውሳነ ሕቡራት ሃገራት ዝድግፍ ዝበዝሐ ድምጺ ብምርካብ ብዘኽእል ደረጃ እዚ ርእይቶ ኣይደ ናይ ብዙሓት ሃገራት ደገፍ ረኺቡ’ሎ። ኤይድን ቀዳማይ ሚኒስተር
ኖርወይ ዮናስ ጋህር ስቶረን እስራኤል ድሕሪ’ቲ ናይ መጀመርታ መጥቃዕቲ ሓማስ ንነብሳ ክትከላኸል መሰል ከም ዝነበራ ኣስሚሮም ምግላጾም ዝፍለጥ እዩ። ሕጂ፡ ሓይልታት እስራኤል ሓያሎ ኣሽሓት ህጻናት ሓዊሱ ኣስታት 20 ሽሕ ፍልስጤማውያን ሲቪላት ድሕሪ ምቕታሎምን፡ መብዛሕትኡ ክፋል ቕዛ ድማ ድሕሪ ምዕናዉ፡ ኖርወይ እቲ ቅትለትን ሕሰምን ክውዳእ ኣለዎ ናብ ዝብል መትከል ጸኒዓ’ላ። ብዘይካዚ ቀዳማይ ሚኒስተራት ዮርዳኖስ፡ በዓል መዚ ፍልስጤም፡ ቀጠር፡ ስዑዲ ዓረብ፡ ቱርኪ፡ ዴንማርክ፡ ኣይስላንድ፡ ሽወደን፡ ቤልጅየም፡ ሉክሰምበርግን ሆላንድን ተጻብኦታት ከብቅዕ ከም ዘለዎ ኣብ ናይ ሓባር ስምምዕ በጺሖም ኣለዉ፡፡ ብዘይካዚ ኣብቲ ናይ ዓርቢ ኣኼባ እተሳተፈ ዋና ጸሓፊ ኦርጋኒዛቶን ንእስላማዊ ምትሕግጋዝ ተመሳሳሊ መትከል ደጊፉ’ሎ። ኣብቲ ኣኼባ እስራኤል ይኹን ሓማስ ኣይተወከሉን፡፡ ኣይደ ኣቐዲሙ ንብሮድካስቲንግ ኖርወይ (NRK) “ሕጂ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ንኸምዚ ዓይነት ዘተ ተገዳስነት የለን፡፡ እንተኾነ ኣብ ቓዛ ዝፍጸም ዘሎ ህልቂት ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ምስ ምዃኑ ኣብ ከባቢና ገለ ነዚ ዘልዕሉ ሰባት ክህልዉ ግድነት እዩ” ኢሉ። ብፍላይ ድማ ኣይደ እቲ ኲናት ኣብ መንጎ ሃገራት ዓብዪ ምትፍናን ምፍጣሩ ከም ዘተሓሳስቦን፡ እቲ ኣኼባ ነዚ ንምቅላል ክሕግዝ ከም ዝኽእል ተስፋ ከም ዝገብርን ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com