Monday , May 6 2024

ኖርወይ፥ እስራኤል ኣብ ቓዛ እተካይዶ ዘላ ደብዳብ ‘ተቐባልነት ዘይብሉ’ እዩ

FILE - In this Saturday, May 15, 2021, file photo, an air bomb hits the building housing various international media, including The Associated Press, in Gaza City. Israel’s defense minister has distanced himself from comments made by his military chief after Israel bombed the Gaza Strip high-rise housing an Associated Press office and other news outlets. (Mahmud Hams/AFP via AP, File) NYSB131

ቀዳማይ ሚኒስተር ኖርወይ ዮናስ ጋህር ስቶር፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ እተካይዶ ዘላ ደብዳብ ዝሃቦ ነቐፌታ ኣጽንኦት ብምሃብ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ፍጹም ተቐባልነት የብሉን ክብል ወቒሱ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ቓዛ ዝነበራ ሆስፒታላት ዓንየን እስራኤል ከኣ ዝበኣሰ ኣዕናዊ መጥቃዕቲታት ናብ ምግባር ትኸይድ ኣላ ክብል፡ ኣብ ድሮ በዓል ልደት ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ። ንሱ “እስራኤል ኣብ ቓዛ ትገብሮ ዘላ መጥቃዕቲ ንጽላት ክንክን ጥዕናን ሰብኣዊ ትካላትን የዕኑ ምህላዉ፡ እዚ ድማ ፍጹም ተቐባልነት ከም ዘይብሉ” ገሊጹ። ወሲኹ ድማ ኣብ ሆስፒታላት ቓዛ ዝተፈጸመ ደብዳብ ልዕሊ 2 ሚልዮን ህጹጽ ሕክምናዊ ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት ኣብ ሓደጋ ክወድቁ ምግባሩ እዚ ድማ ክንቅበሎ ዘይንኽእል ኩነታት እዩ ኢሉ። ድምጺ ብድምጺ ናይ ምውዳቕ ስልጣን ኣመሪካ ደጋጊሙ ዘግድዖ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ መወዳእታ ዝበዝሓ ኣባል ሃገራት ዝጸውዖኦ ሰብኣዊ ምቊራጽ ተኹሲ ዝጠልብ ውሳነ ኣጽዲቑ እዩ። እዚ ጻውዒት ብመሰረት ስቶረ፡ “ን ሰራሕተኛትት ሆስፒታላትን ክንክን ጥዕና፡ ብምኽንያት ኲናት ኣብ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ኲነታት ንዝወደቑ ዜጋታት ኣብ ምርዳእ ንዝነጥፉ ዘለዉ ሰባት ክሕለዉን መጥቃዕቲ ከይበጽሖምን” ዝብል ኩነታት ዘጠቓልል እዩ። ንሰሙን መመላእታ ድሕሪ ዝቐጸለ ደብዳብ ስርዓተ ክንክን ጥዕና ቓዛ “ምሉእ ብምሉእ ተደምሲሱ” ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ኣለዎ። እዚ እናኾነ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ቁጽሪ ጸረ መንግስቲ እስራኤል ዝግበሩ ተቓውሞታትን ከምኡ’ውን ጸረ-ሴማውነትን ብዕጽፊ ከምዝወሰኸ ቤት ጽሕፈት ዜና ኤንቲቢ ን ኣሃዛት ፖሊስ ብምጥቃስ ሓቢሩ’ሎ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኖርወይ፡ ኣቐዲሙ ንኣስታት 7 ዓመታት ብ ደረጃ መዝነት ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዘገልገለ ኮይኑ፡ ንኣስታት 30 ዓመታት ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሰላም ንምርግጋጽ ኣብ ዝግበር ጻዕርታት ክነጥፍ ጸኒሑ’ሎ። ፍልስጤማውያን ሰራሕተኛታት ክንክን ጥዕና “ካብ ሆስፒታል ወጺኦም ክምርመሩን መለለዪ ክዳውንቶም ክውጽኡን ዘርኢ ቪድዮ ከም አሰንበዶን እዚ ድማ ኣዝዩ ጽንኲርን ፍጹም ተቐባልነት ከም ዘይብሉን” ገሊጹ። ስቶረ፡ መንግስቱ ነቲ ብኣኽራሪ ፍልስጤማዊ ትካል ሓማስ ዝተፈጸመ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ “ሲቪላውያን እስራኤላውያን ዝቐተለ ዘስካሕክሕ ፍጻመ” ኢሉ ምግላጹ ዝዝከር ኮይኑ፡ እቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሓማስ ብህጹጽ ዝኣወጀቶ ኲናት ግን “ንሕና ክንቅበሎ ብዘይንኽእል ኣገባብ’ዩ ዓሪጉ’ሎ ስርዓተ ክንክን ጥዕናን ሲቪላት ክሕለዉ ኣለዎም” ክብል ብኣንጽኦት ተላብዩ’ሎ። እስራኤል ኣብ ቓዛ ብእተካይዶ ዘላ መጥቃዕታዊ ደብዳብ 8 ሽሕ ህጻናት ዝርከብዎም ልዕሊ 20 ሽሕ ሲቪል ፍልስጤማውያን ተቐቲሎም ኣለዉ። ኣብ ሆስፒታላት ጋዛ ዝሰርሕ ዝነበረ ኖርወጃዊ ሓኪም መጥባሕቲ “እስራኤል እትገብሮ ዘላ መጠን ደብዳብ ርኢኻ፥ ንቓዛ ሰብ ዘይነብራ ምድሪ ንምግባር ዘንቀደት እያ ትመስል” ክብል ምግላጹ ኖርወይ ቱደይ ኣተሓሒዛ ጸብጺባ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com