Tuesday , May 7 2024

ጳጳስ ካቶሊክ ፍራንሲስ ብ ቓዛ ዝካየድ ህልቂት ኲናት ደው ክብል ጸዊዖም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካቶሊካኢት ቤተክርስትያን ኣብ Qዛ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ደው ክብል፥ ብሓማስ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ እስራኤላውያን ከኣ ነጻ ክልቀቑን ጸዊዖም። ጳጳስ ፍራንሲስ ኣብ ወግዓዊ መልእኽቶም ኣብ መዓልቲ ልደት፡ ኣዝዩ ኣጨናቒ ሰብኣዊ ኩነታት  ቓዛ ዝያዳ ሓገዝ ክግበር ውን ጸዊዖም። ኲናት እስራኤልን ሓማስን ብ7 ጥቅምቲ ዝጀመረ ኮይኑ፡ ዕጡቓት ሓማስ ንእስራኤል ኣጥቂዖም ኣስታት 1200 ሰባት ድሕሪ ምቕታል 240 ድማ ጅሆ ሒዞም እዮም። ልዕሊ 20 ሽሕ ፍልስጤማውያን ብደብዳብ ቦምባ እስራኤል ከምዝተቐትሉ ሓማስ ይገልጽ። እቶም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተኣከቡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ምእመናን ኣብ ዝሃብዎ መደረ፣ ኣብ ልዕሊ እስራኤላውያንን ፍልስጤማውያንን ዝተፈጸመ ዓመጽ ኣዝዩ ከም ዘሕዘኖም ገሊጾም ኣለዉ። ንሶም ንግዳያት ናይቲ ብዕለት 7 ጥቅምቲ ዘጋጠመ ጽዩፍ መጥቃዕቲ ከምኡ’ውን ነቶም ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ሓራ ንኽወጹ ጻውዒተይ እገልጽ  ኢሎም።  እቲ ወተሃደራዊ ስርሒታትን ዘስካሕክሕ ሞት ንጹሃት ሲቪላውያን ግዳያት ከብቅዕ ክጽሊ እየ፡ ኣጨናቒ ሰብኣዊ ኲነታት ቓዛ ምኽንያት ብምግባር ከኣ እዚ ዂነታት ፍታሕ ክረክብ እጽውዕ ኢሎም። እስራኤል ዛጊት 132 ሰባት ብ ሓማስ ጅሆ ተታሒዞም ምህላዎም እያ ትገልጽ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብ ካልኦት ኣብ መላእ ዓለም ዝፍጸሙ ግጭታት ብምቕያር፡ ንኣስታት ክልተ ዓመት ምስ ሩስያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሰላም ንዩክሬን  እውን ጸዊዖም። ብተወሳኺ ኣብተን ብናይ ዓመታት ኲናትን ዕግርግርን ዝተናወጻ ሃገራት ሶርያ፡ ሊባኖስን የመንን ፖለቲካውን ማሕበራውን ምርግጋእ ኣብ ቀረባ እዋን ክረጋገጽ ናብ ፈጣሪ ከም ዝጽልዩ ገሊጾም ኣለኡ። ብዘይካዚ ኣብ ኣርመንያን ኣዘርባጃንን ሓዊሱ ኣብ ኣፍሪቃ ሰሜንን ደቡብን ኮርያን ዘሎ ሽግር ሰላማዊ ፍታሕ ክረክብ ድሌቶም ምዃኑ ገሊጾም። ብተወሳኺ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ሚልዮናት ስደተኛታትን ዘሕልፍዎ ዘለዉ መከራን ከብቅዕ ኣብ መደረኦም ዘኪሮም ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com