Saturday , May 4 2024

ፖሎቲካ

ፓሉዳን ካብ ፖለቲካዊ ፈስቲቫል ወጻኢ ኣኼባ ክጽውዕ ተፈቒዱሉ።

ፖሊስ ሽወደን፡ ነቲ ሕሉፍ ጸረ-እስላማዊ መርገጺ ከም ዘለዎ ዝፍለጥ፡ ድርብ ዜግነት ዴንማርክን ሽወደንን ዘለዎ ራሙስ ፓሉዳን ኣብዚ ሰሙን ኣኼባታት ከካይድ ምፍቃዶም ተገሊጹ። በዚ ድማ ፓሉዳን፡ ምስቲ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ስቶክሆልም ዝካየድ ዓመታዊ ፖለቲካዊ በዓል ያርቫቨካን፡ ኣብ ሓደ እዋን ኣኼባታት ከካይድ እዩ። ኣብዚ ዝካየድ ኣኼባ፡ ጸጥታን ስርዓትን ንኽሰፍን ፖሊስ ክሰርሕ እዩ ክብል፡ ኣፈኛ ፖሊስ ስቶኮልም ማትስ ኤሪክሶን ገሊጹ’ሎ።

Read More »

ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ፡ “ን ኲርዳዊ ውድብ PKK ዝውክል የለን”።

ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን፡ ነቲ ሓሙሽተ ፖለቲከኛታት ሽወደን ን ሰልፊ ሰራሕተኛታት ቱርኪ (PKK) ይውክላ እየን፡ ዝብል ብ ጋዜጣ ቱርክ ንዝወጸ ጸብጻብ መልሲ ሂብሉ’ሎ። ሰልፊ ሰራሕተኛታት ቱርኪ (PKK)፡ ብ ቱርክን ኣውሮጳዊ ሕብረትን “ግብረሽበራዊ” እተሰየመ ወተሃደራዊ ውድብ ምዃኑ ዝፍለጥ እዩ። ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ኣን ሊንድ፡ ነዚ ኣመልኪታ ኣብ ትዊተር ኣብ ጸሓፈቶ መልእኽቲ፡ እዚ ክሲ ቱርክ መሰረት ዘይብሉን ዘይቅኑዕን ሓበሬታ እዩ ክትብል ኣዋዲቓቶ’ላ። ቱርክ፡ ሽወደን ምስ …

Read More »

ሃገራት ምዕራብ ን ዩክሬይን ዝህባኦ ደገፍ ከዕዝዛ ፊንላንድ ጸዊዓ።

ሃገራት ምዕራብ፡ ን ዩክሬይን ዝገብራኦ ሓገዝ ከዕዝዛ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዘንበራኦ እገዳ ከስፍሓ፡ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ፊንላንድ ሳና ማርን ጸዊዓ። “እዚ ኲናት ምስ ምቕጻሉ፡ ውህሉል ሃብቲ እታ ሃገር ይጽንቀቕ እዩ ዘሎ። ስለዚ ድማ እቲ ኲናት ክሳብ ዝቐጸለ፡ ንሕና’ውን ዘድሊ ሓገዝ ናብ ዩክሬይን ምሃብ ክንቅጽል ከድልየና እዩ። ድሕሪዚ ኲናት እውን፡ ኣብ ዳግመ ህንጸት እታ ሃገር ክንሳተፍን ክንሕግዝን ሓላፍነት ኣሎና” ክትብል ማርን ምስ ኣብ ኪቭ ዝመደብሩ …

Read More »

ፕረሲደንት ቆንስል ኣውሮጳዊ ሕብረት ምስ ማግዳሌና ኣንደርሾን ተራኺቡ።

ፕረሲደንት ቆንስል ኣውሮፓዊ ሕብረት ቻርለስ ሚሸል፡ ምስ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ማግዳሌና ኣንደርሾን ኣብ ስቶክሆልም ብሓባር ኣብ ዘካየድዎ ጋዜጣዊ ዋዕላ፡ ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ዘካይዶ ዋዕላኡ፡ ኣብ ነዳዲ ዘይቲ ሩስያ እገዳ ክጽዕን እዩ ዝብል ተስፋ ከም ዘለዎ ገሊጹ’ሎ። “እዚ ብዙሕ ልዝብን ጻዕርን ዘድልዮ ጒዳይ እዩ፡ ሓቢርና ንምቕጻል ብዙሕ ጻዕሪ ኢና ነካይድ ዘሎና” ኢሉ። ቀ/ሚ ሽወደን ማግዳሌና ኣንደርሾን ብወገና፡ መንግስታ ን ቆንስል ኣውሮፓዊ ሕብረት …

Read More »

ልኡኻት ሽወደንን ፊንላንድን ምስ ሰብመዚ ቱርኪ ተራኾቦም።

መንግስቲ ቱርኪ፡ ነቲ ኣባልነት ፊናልንድን ሽወደንን ኣብ ኔቶ ኣመልኪቱ ዘውጽኦ ተቓውሞ ምኽንያት ብምግባር፡ ልኡኻት ሽወደንን ፊንላንድን፡ ሎሚ ምስ ሰብመዚ ቱርኪ ሎሚ ኣብ ኣንካራ ከም እተራኸቡ ተገሊጹ። ፊንላንድን ሽወደንን ናይ ኣጽዋር እገዳአን ከውርዳ፡ ከምኡውን ን “ግብረሽበራውያን’ ዝበለቶም ውድባት ዝህባኦ ደግፍ ደው ከብላኦ ከም እትደሊ’ መንግስቲ ቱርክ ክገልጽ ምጽንሑ ዝፍለጥ እዩ።

Read More »

ሃገራት ኣውሮጳ፡ ኣባልነት ሽወደንን ፊንላንድን ንምስላጥ ይንቀሳቐሳ ምህላወን ተገሊጹ።

ቱርኪ፡ ሕጂ’ውን ን ሕቶ ኣባልነት ኔቶ ሽወደንን ዴንማርክን ምቅዋም ቀጺላ’ላ ተባሂሉ። እንተኾነ ግና፡ ኣብ ካልኦት ኣባል ሃገራት ዘሎ ደገፍ ዓብዪ ምዃኑን፡ ብርክት ዝበላ ድማ እዚ ኣባልነት ናይ ምስላጥ መስርሕ ይተሓጋገዛ ምህላወን ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ።”ከም መርኣያ ናይዚ መንግስቲ ኤስቶንያ ፊንላንድን ሽወደንን ኣባላት ኔቶ ክኾና ከም እትድግፍ” ቀዳመይቲ ሚንስተር ኤስቶንያ ጃያ ካላስ ሎሚ ገሊጻ’ላ። ብዘይካዚ፡ ሊቱዌንያ እውን ነዚ መስርሕ ንምቅጣፍ ምኽታም ንድፊ ፕሮቶኮል ጀሚራ ምህላዋ …

Read More »

ሓደ ክኢላ፡ “ቱርኪ ኣባልነት ሽወደን ናብ NATO ንኽትቅበል ኣዋርሕ ክወስደላ ይኽእል እዩ”

ቱርኪ፡ ን ሕቶ ኣባልነት ሽወደን ናብ ኔቶ ክሳብ ትቕበል፡ ኣዋርሕ ክወስድ ከም ዝኽእል፡ ፕሮፌሰር ኣህጒራዊ ዝምድናታትን ክኢላ መጽናዕቲታት ቱርኪን ሑሰይኒ ባቺ ገሊጹ። ቱርክ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራሲን ብ ውልቃ እትወዳደር ኣባል ባይቶ ኣሚነ ካካባቬን ዝተገብረ ስምምዕ ብብርቱዕ ከም እትነቕፎ ዝገለጸ እቲ ፕሮፌሰር፡ ሽወደን ነቶም ቱርክ ግብረሽበራውያን ኢላ ዝሰመየቶምን ኣብ ሰሜን ሶርያን ቱርክን ዝንቀሳቐሱ ገለ ጒጅለታት ክትሕግዝ ምምብጻዓ ከም አይትቕበሎ ወሲኹ ኣመልኪቱ። …

Read More »

ሽወደን ካብ ዘይሻራዊ መርገጺ እትወጻሉ ዘላ ምኽንያት ተተንቲኑ።

ኣብ ዝሓለፉ ናይ ግርጭታት ታሪኽ፡ ሽወደን ዘይሻራዊ መርገጺ ትወስድ እኳ እንተነበረት፡ ምስ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ግና፡ ናብ ምምልካት ኣባልነት NATO በጺሓ ምህላዋ ዝፍለጥ እዩ። እዚ ዝኾነሉ ዘሎ ምኽንያት፡ ሽወደን ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም፡ ብ ቚጠባ፡ ፖለቲካን ወተሃደራዊን መዳያት ምስ ምዕራባዊ ዓለም ኣዝያ ተወሃሂዳ ብምህላዋ እያ፡ ክብል መምህር ዩኒቨርሲቲ ስቶክሆልም–ፕሮፌሰር ማግኑስ ፐተርሾን–ገሊጹ’ሎ። በዚ ድማ፡ ዘይሻራዊት ተዓዛቢት ካብ ምዃን ትውጽእ ኣላ ምባሉ ሬድዮ ሽወደን …

Read More »

ጆ ባይደን፡ “ሽወደንን ፊንላንድን ኲሉ ረቛሒታት NATO የማልኣ እየን”

ፕረሲደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ምስ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ሽወደን ማግዳሌና ኣንደርሾን፡ ከምኡ’ውን ፕረሲደንት ፊንላንድ ሳውሊ ኒኒስትሮ፡ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝተራኸቡሉ ኣጋጣሚ፡ ሽወደንን ፊንላንድን ኣባላት ኔቶ ክኾና ምሉእ ደገፍ ከም ዝህበን ኣፍሊጡ። ክልቲአን ሃገራት፡ ድሕነታዊ ጒዳያተን ንምውሓስ ዝደልያኦ ክውስና፡ ሉኣላዊ መሰለን ይጥቀማ ምህላወን እውን ኣመልኪቱ። ቱርኪ ከም ነባር ኣባል ኔቶ መጠን፡ ዘለዋ ናይ ድምጺ ስልጣን ተጠቒማ፡ ን ኣባልነት ሽወደንን ፊንላንድን ክትቃወም ምዃና ኣብ …

Read More »

ኣብ ፊንላንድ ዘሎ ህዝባዊ ደገፍ ኔቶ ካብቲ ኣብ ሽወደን ዘሎ ከም ዝዓቢ ተገሊጹ።

“ኣብ ፊንላንድ ተርባጽ ኣባልነት ኔቶ ኣሎ። ድሮ ሓደ ቢራ ኔቶ ተባሂሉ ተሰምዩ’ሎ። እታ ኣባልነት ኔቶ ንምኽታም ዝወዓለት ዓይነት ብርዒ፡ ሰብ ብብዝሒ ስለዝሸመታ፡ ሕጂ ኣብ ዕዳጋ ኣይትርከብን እያ” ክብል ወኪል ዜና ኖርዲክ ሉካስ ዳልስትሮም ጸብጺቡ’ሎ። ክልቲአን ሃገራት “ኢድ ንኢድ ተተሓሒዘን” ዝሓለፈ ረቡዕ ን ኣባልነት ኔቶ እኳ እንተመልከታ፡ ኣብ ሽወደን እቲ ጒዳይ ከምቲ ኣብ ፊንላንድ እተኻየደ ዓይነት ኣዝዩ ርሱን ክትዓት ከም አይተኻየደሉ ዳልስትሮም ወሲኹ ኣመልኪቱ’ሎ።

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com