Monday , May 6 2024

ጥርጡር ሰላዪ፥ ሩስያዊ ምዃኑ ተኣሚኑ

ሓደ ንገዛእ ርእሱ ብራዚላዊ ጆሴ ኣሲስ ጂያማርያ ኢሉ ዝጽውዕ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ትሮምሶ ኣብ ዝርከብ ኖርወይ’ስ ኣርክቲክ ዩኒቨርሲቲ ናይ ጋሻ ተመራማሪ ስራሕ ዝረኸበ ሰብኣይ፡ ሓቀኛ ስሙ ሚካኤል ቫለሪየቪትስጅ ሚኩስጂን ዚግነቱ ኸኣ ሩስያዊ ምዃኑ ተኣሚኑ። ንሱ ዛጊት ብ ትካል ስለያ ፖሊስ ኖርወይ ፒኤስቲ ንዝቐረበሉ ሕቶታት ምምላስ ኣብዩ’ሎ። ምስ ትካል ስለያ ሩስያ GRU ምትእስሳር ከም ዘአዎ እተኣመነ ሚኩስጂን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ብፒኤስቲ ተታሒዙ ብስለያ ተኸሲሱ’ሎ። በዚ ወንጀል ገበነኛ ኮይኑ እንተተረኺቡ ክሳብ 10 ዓመት ክእሰር ይኽእል እዩ። ጋዜጣ ቪጂ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ከም ዝጸብጸቦ፡ ትካል ድሕነት ኖረይ ብዛዕባ ሕሉፍ ታሪኽ ሚኩስጂን ኣድላዪ ሓበሬታታት ምእካቡ ነቲ ስላይ ተነጊርዎ’ሎ። ምስ መንነቱ ብዝተኣሳሰር እቲ ትካል ድሕነት ድሕሪ ዝኣከቦ ሓበሬታታት፡ ሚኩስጂን ሓቀኛ መንነቱ ከረጋግጽ ከም እተደረኸ ጠበቓኡ ገሊጹ’ሎ። እንተኾነ ግና ዛጊት ብ ፖሊስ ኣቢሉ ወግዓዊ መስርሕ ፍርዲ ኣይቀረበሉን ኣሎ። ትካል ድሕነት ኖርወይ ካብ ኤምባሲ ሩስያ ኣብ ኦስሎ ሓገዝ ከምዝረኸበ ክገልጽ እንከሎ፣ እቲ ኤምባሲ ነዚ ሓበሬታ ነጺግዎ’ሎ። ፒኤስቲ ሚስኩስጂን ኣብ 2006 ካብ ኣካዳሚ ትካል ስለያ ሩስያ ዝተመረቐ ብቑዕ ሰላዪ ምዃኑ እዩ ዝኣምን። ብተወሳኺ ቅድሚ ናብ ኖርወይ ምምጽኡ ብራዚላዊ ጂያማርያ ብዝብል ስም ኣብ ካናዳ ይነብርን ይሰርሕን ምንባሩ ኖርወይ ቱደይ ነቲ ትካል መድሕን ብምጥቃስ ጸብጺባ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com