Monday , May 6 2024

ሽወደናዊት ኮሚሽነር ሕብረት ኤውሮጳ ንስምምዕ ጒዳይ ስደተኛታት ዘለዋ ደገፍ ትገልጽ

Credit: Petros Giannakouris

ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ሓድሽ ስምምዕ ጒዳይ ስደተኛታት ከም ዝሰማምዕ ገሊጹ። ኮሚሽን ኤውሮጳ፡ እቲ ስምምዕ፡ ንሕብረት ኤውሮጳ ዝያዳ ፍትሓዊ፡ ስሉጥን ዘላቕን መስርሕ ስደትን ዑቕባን ከም ዝፈጥር ብምግላጽ እዩ ምስቲ መትከላት ከም ዝሰማማዕ ገሊጹ ዘሎ። ኮሚሽነር ውሽጣዊ ጉዳያት ሕብረት ኤውሮጳ ዝኾነት ሽወደናዊት ይልቫ ጆሃንሰን “እዚ ዓወትና እዩ” ክትብል ሓጎሳ ገሊጻ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com