Monday , May 6 2024

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ላቲቭያ ኣብ ኔቶ ሽወደን ይጽበ፡ ምኽንያት ውን ኣይንርእን ኢና ዘለና ኢሉ።

Credit: Henrik Montgomery

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ቀዳማይ ሚኒስተር ላቲቭያ ነበርን ክሪሽያኒስ ካሪንሽ ሎሚ ኣብ ስቶክሆልም ዑደት ብምግባር ምስ ሽወደናዊ መዘንኡ ቶብያስ ቢልስትሮም ተራኺቡ። ንሱ ሃንጋሪን ቱርኪን ኣባልነት ሽወደን ኣብ ኔቶ ንምጽዳቕ ድሌት ነግ-ፈረግ ይብላ ምህላወን፡ እንተኾነ ግና እዚ ጒዳይ “ካብ ቀጥታዊ ጽልዋ መንግስቲ ሽወደን ወጻኢ ብዝካየዱ መስርሓት ዝምራሕ ብምዃኑ” መንግስቲ ካብዚ ንላዕሊ ብዙሕ ክገብር ከምዘይክእል ንሬድዮ ሽወደን ገሊጹ፡፡ እዚ ይዂንምበር ሚኒስተር ጒዳይት ወጻኢ ሽወደን ቶብያስ ቢልስትሮም ሽወደን ኣብ ቀረባ እዋን ምናልባት ኣብ ውሽጢ ሰምንታት ናብቲ ኪዳን ምክልኻል ክትጽንበር ትኸውን እያ ዝብል ተስፋ ከም ዘለዎ እዩ ዝገልጽ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com