Saturday , May 18 2024

ውህደት

News Magazine ዜና መጽሄት 13 መጋቢት 2020

Read More »

Swedish News in tigrigna -ዜና ሽወደን ብትግርኛ 16 መጋቢት 2020

Read More »

መገዲ ኣየር ስካንዲናቪያ ማለት SAS ብዝተፈጥረ ዝሕታለ ስራሕ ልዕሊ 10 ሽሕ ካብ ሰራሕተኛታቱ ከጉድል ወሲኑ።

ንብረትነቱ ናይ ሽወደን ዝኾነ መገዲ ኣየር ስካንዲናቪያ ማለት SAS ብሰንኪ ተፈጢሩ ዘሎ ተላባዒ ሕማምን ሃገራት ዝወሰንኡ ገደብ መገሻታትን ስዒቡ፣ ብዝተፈጥረ ዝሕታለ ስራሕ ልዕሊ 10 ሽሕ ካብ ሰራሕተኛታቱ ከጉድል ከምዝወሰነ ትማሊ መዓልቲ ኣብ ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ ኣፍሊጡ። እቲ መገዲ ኣየር 90 ሚእታዊት ካብ ሰራሕተኛታቱ ብግዚያዉነት፣ ብምጉዳል ነዚ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልዉላዉ ክሰግሮ ይኽእል እየ ብዝብል እምነት ኣብቲ መደምደምታ ብምብጻሕ ነቲ ስጉምቲ ከምዝወሰደ …

Read More »

ኣውሮጳዊ ሕብረት ካብ ደሴታት ግሪኽ ናብ ሃገሩ ንዝምለስ ስደተኛ ናይ 2000 ዩሮ ሓገዝ ክህብ ምዃኑ ገሊጹ።

ኮሚሽነር ስደተኛታትን ጸጥታን ኣውሮጳዊ ሕብረት ዬልቫ ጆሃንሰን ኣውሮጳዊ ሕብረት ካብ ደሴታት ግሪኽ ብወለንታ ናብ ሃገሩ ንዝምለስ ስደተኛ ናይ 2000 ዩሮ ሓገዝ ክህብ ምዃኑ ገሊጹ። ንሳ ኣብ ኣቴንስ ሎሚ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ ዋዕላ ኣውሮጳዊ ሕብረት ስደተኛታት ብወለንታ ምምላስ ኣብ ዝብል ጒዳይ ነቶም ጭቕጭቕ ኢሎም ኣብ ደሴታት ግሪኽ ዝነብሩ ስደተኛታት ከዘራርብ ምዃኑን ክሳብ 2000 ዩሮ ንተመለስቲ ክህብ ድሉው ምዃኑ ሓቢራ። እዚ ዕድል …

Read More »

ስቴፋን ሎቨን፣ ዋላእኻ ኣብ ጹንኩር ኩነታት እንተሃለና ዶባት ሽወደን ግን ኣይንዓጽዎን ኢና ይብል።

ብሰንኪ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ጻዕሪ ምግታእ ተላባዒ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ዋላእኳ ዝተፈላለያ ሃገራት ዶባተን ናይ ምዕጻዉ ስጉምቲ እንተወሰዳ፣ ሃገረ ሽወደን ንሕጂ ዶባታ ከምዘይተዓጹ መራሕ መንግስቲ ስቴፋን ሎቨን ኣፍሊጡ። ንሱ ኣብቲ ትማሊ ዝሃቦ ጋዜጣዊ ዋዕላ ዋላእኳ ኣብ ጽንኩር ኩነታት እንተሎና ዶባት ምዕጻዉ ተመራጺ ኮይኑ ከምዘይተረኽበ መንግስቲ ገምጋም ከምዝወሰደ ሓቢሩ። መንግስቲ ኣብ ተጠንቀቕ ኮይኑ ዝሰርሕ ኣካል ብምቛም ንምዕባለታት ብድሆ ክሮና ቫይረስ …

Read More »

ኣገዳሲ ሓበሬታ ብዛዕባ ኮሮና ቪሩስ፡ባሕርያቱን ሳዕቤናቱን ከም እውን ምኽልኻሉ ካብ ሓኻይም ዝተዋህበ ምኽሪ ኢዩ።

ነዚ ሕምም ንከላኸሎ ብሸቐልቀል ዘይኮነ ብብስለት ኢዩ። ሓደ ተመራማሪ ካብ ሸንዘን፡ ኣብ ዉሃን ዘጋጠመ ለብዒ ኮሮናቪሩስ ከመይ ምዃኑ፡ ብኸመይ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ከምዚመሓላለፍን ሳዕቤናቱን ገሊጹዎሎ። ኮሮናቪሩስ ምልክት ጉንፋዕን ጸረርታን ምሕታም ኣፍንጫን ወይ ቀሓርን ዘይኮነ ደረቕ ሰዓልዩ ዘስዕብ። አዚ ቪሩስዚ ሙቐት ስለዘይጻወር ካብ 26-27 ዲግሪ ኣብ ዘሎ ሙቐት ይመውት። ስለዚ ከም ቡንን ሻሂን ዉዑይ መስተ ብዙሕ ምስታይ ንቪሩስ የምክኖ።ዝሑል መስተን …

Read More »

ልዕሊ 7000 ዝኾኑ ሰራሕተኛታት ሆቴልን ኮንፈረንስን ሽወደን ብሰንኪ ሕማም ኮሮና ካብ ስርሖም ክጎድሉ ከም ዝኽእሉ ተገሊጹ።

“ምሉእ ብምሉእ ጽልማት ዝኾነት ምሸት እያ እዛ እዋን…ሽቕለት ኣልቦነት ከስፋሕፍሕ እዩ፡ ኣዝዩ ሕማቕ ኲነታት እዩ ኣትዩና ዘሎ” ክብል ዋና ኣካያዲ ቪዛን ትካል ንግድን ዮናስ ሰሊማር ገሊጹ’ሎ። ፕረሲደንት ማሕበር ሆቴልን ሬስቲራንትን ማሊክ ኣኾልት ገለ 700 ዝኾኑ ሰባት ድሮ ካብ ስራሕ ለቒቖም ምህላዎምን ካልኦት 3500 ሰራሕተኛታት ክሳብ ቀዳመ ሰንበት ክሰናበቱ ኣብ ምድላው ምህላዉን ድማ ኣመልኪቱ። ብተወሳኺ ክሳብ 2500 ዝኾኑ ተመላለስቲ ሰራሕተኛታት ካብ …

Read More »

ኣብ ሽወደን ብዛዕባ ቀረብ መግቢ ዝኾነ ዘሻቕል ነገር ከምዘየለ ይሕበር።

ሚኒስትሪ ገጠራዊ ጒዳያት ጄኒ ኔልሰን ሽወደን ሕጽረት መግቢ ከም ዘይብላን ምስ ጒዳይ ምልባዕ ቫይረስ ኮሮና ብምትሕሓዝ ዝውረ ዘሎ ሻቕላ ቀረብ መግቢ መሰረት ኣልቦ ምዃኑን ኣመልኪታ። ንሳ ሎሚ ምስ ተወከልቲ ኢንዱስትሪ መግቢ ተራኺባ ኣብ እዋን ቅልውላው ብዛዕባ ዝህሉ ቀረብ መግቢ ምዝታያ ተመልኪቱ። እዚ ኣኼባ ብከም Ica, axfood ከምኡ’ውን Coop ተወከልቲ ዓበይቲ ናይ መግቢ ኣቅረብቲ ትካላት ዝተሳተፍዎ ምንባሩ ድማ ተፈሊጡ። እታ ሚኒስተር …

Read More »

Swedish News in tigrigna -ዜና ሽወደን ብትግርኛ 11 መጋቢት 2020

Read More »

መንገዲ ኣየር ሳስ SAS ደሞዝ ሰራሕተኛታት ብ 20% ክንኪ እየ ይብል።

ብዙሓት መንገዲ ኣየር ብርክት ዝበለ ገንዘብ ይኽሰራ ኣለዋ ተባሂሉ። ብዙሓት ሰባት ብቫይረስ ኮሮና ከይልከፉ ብምባል ምብራር ምቊራጾም ድማ’ዩ ነዚ ክሳራ ኣምጺኡ ዝርከብ። SAS ኣብ ወርሒ መጋቢት ኣሽሓት በረራታት ምቊራጹን ቀጻልነቱ ንምውሓስ ገንዘብ ኣብ ምዕቋር ምእታዉን ደሞዝ ብ 20% ንምንካይ ኣብ ምምካር ምህላዉን ድማ ተገሊጹ። ማሕበር ሰራሕተኛታት ምስዚ ኲባንያ ክተሓባበር ድሉው ምዃኑ እኳ እንተገለጸ ኣብ ምንካይ ደሞዝ ክተሓባበር ድዩ ወይስ ኣይኮነን …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com