Saturday , May 18 2024

ውህደት

መጀመርያ ኣብ መወዳእታ

ገዛእ ርእሱ ትርጉም ኣይህልዎን እዩ። በቲ ንገዛእ ርእስና እንሓቶ ሕቶታት ኣቢልና ኢና፡ ንነገራት ብኸመይ ንርእዮምን ንትርጉሞምን ነነጽር። ኣብዚ ሓቂ ከኣ፡ ምሕታት፡ ማዕረ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ንርዳእ። ህይወትና ከመይ ኣላን፡ ብኸመይ ንሓልፋ ኣለናን፡ ብምርጫና ዝመጽእ እዩ። እቲ ዘጉህየና ዘሎን ዝነበረን ምኽንያት ይኹን ቃንዛ፡ ንዘልኣለም ከጉህየናን ከሳቕየናን ዲና እንመርጽ ወይስ ከም መምሃርን መሳገርን ጽቡቕና ጌርና ኢና እንርእዮ? ነቲ ጽቡቕ ዲና’ኸ እንመርጽ ወይስ …

Read More »

ቀመም ኣብ ጥዕናና

ወዲ ሰብ መዓልታዊ ኣብ መግቢ ዝጥቀመሎም ሓያሎ ቀመማትኣለዉ። እዞም ቀመማት’ዚኦም ብትኽክል መግቢ ኢዮም ክንብሎም ግና ኣይከኣልን’ዩ። ምኽንያቱ፡ ንሰብነትና ዝህብዎ ሓይሊ ወይ ትሹታትና ንምህናጽ ዘበርክትዎ ጥቕሚ ዝጥቀስ ስለ ዘይኮነ። ይኹን’ምበር፡ ኣብ ሰብነትና ገለ ንጥፈታት የካይዱ ኢዮም። ሓደ ካብኡ ኣካላትና ንጡፍ ከም ዝኸውን ይገብሩ። ቀመም ምስ ካልእ መግቢተሓዊሱ ዝውሰድ ሳብስታንስ ኢዩ። ጨው፡ በርበረ፡ ኒኮቲን፡ ካካዋ ….ወዘተ ከም ኣብነት ክጥቀስ ይከኣል። ጨው ቀመም …

Read More »

ብዛዕባ ካልኣይ ውግእ ዓለም..

ካልኣይ ውግእ ዓለም፡ ብ 1939 ዓ/ም’ዩ ተጀሚሩ። ኣብቲ ውግእ’ቲ፡ ሂትለርን ናዚስትን፡ ልዕሊ 5 ሚልዮን ኣይሁድ፡ ኣማኢት ኣሽሓት ሮመራውያን፡ ኮምዩኒስት፡ ግብረ ሰዶማውያንን ስንኩላንን ኣህሊቖም። ካልኣይ ኲናት ዓለም ምስ ተጀመረ፡ ሽወደን፡ ማእከላይ መርገጺ ከም ዘሎዋ ብኽታማ ኣፍሊጣ። ሽወደን ነቶም ካብ ደንማርክ፡ ኖርወይን ሃገራት ባልቲክን ዝመጹ ስደተኛታት ተቐቢላ። 7,500 ናብ ጀርመን ክለኣኹ ዝነበሮም ደቂ ደንማርክ ዝኾኑ ኣይሁዳውያን’ውን ተቐቢላቶም። ኣብ እዋን ኲናት ይኹን ብድሕሪኡ፡ …

Read More »

ብሓባር ዝግበር ናይ እግሪ ጉዕዞ ንጥዕና ንሓጎስን

ብሓባር ዝግበር ናይ እግሪ ጉዕዞ ንጥዕና ጥራይ ዘይኮነ ንሓጎስን ምሕዝነትን መሰረት ዝተክል’ዩ፡ ብእግርኻ ምጓዓዝን ምንቅስቓስን ብዙሓት ጥዕናዊ መኽሰባት ክህልውዎ እንከለው ምስ ካልኦት ናይ ሓባር እግሪ ጉዕዞ ግን ሓጎስን ምሕዝነትን ብምውሳኽ ድርብ ረብሓ ይርከቦ።

Read More »

ማይን ረሳሕ ፈሳስን

ኣብ ሽወደን፡ ብዙሕ ማይ ኣሎ። እቲ ብቡምባ ዝመጽእ ማይ፡ ጽርየቱ ኣተኣማማኒ’ዩ። ዝበዝሕ እዋን፡ ካብ’ቲ ብጎማ ገዚእካ እትሰትዮ ማይ ከይተረፈ ይበልጽ። ግን ከኣ፡ ዝሑል ማይ ቡምባ ጥራይ’ዩ ጽሩይ። እቲ ውዑይ ማይ ብሰንኪ’ቲ ዝመሓላለፈሉ ሻምብቆታት፡ ረሳሕ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ስለዚ ውዑይ ማይ ቡምባ፡ ክትሰትዮ ኮነ መግቢ ክትሰርሓሉ የብልካን። ማይ፡ ብሻምብቆታት ኣቢሉ ናብ መጻረዪ ቦታ ይኸይድ። ምስተጻረየ ድማ፡ እቲ ተረፍ ኣብ ባሕሪ ይኣቱ። ኩሉ …

Read More »

መድሕን ሸቕለት ኣልቦነት (Arbetslöshetsförsäkringen)

ኣስታት ፍርቂ ህዝቢ ሽወደን፡ ስራሕን ደሞዝን ኣሎዎም። ሽቕለት ኣልቦነት ዳርጋ 6.5% እዩ። ኣብ’ቶም ካብ 15-24 ዝዕድመኦም መንእሰያት ግን ሽቕለት ኣልቦነት ክብ ዝበለ እዩ። 16.4% ድማ ይበጽሕ። ኣብ ሽወደን፡ ነቶም ስራሕ ዘይብሎም ሰባት ውሕስነት ዝህብ ትካላዊ ስርዓት ኣሎ። እዚ ድማ፡ “መድሕን ሽቕለት ኣልቦነት” ይብሃል። እዚ ስርዓተ-ውሕስነት’ዚ ኸኣ፡ ሓደ ሰብ ስራሕ ኣብ ዘናድየሉ እዋን ደሞዝ ከም ዝህሉዎ ይገብር። ኣባላት ናይ ካሳ ሽቕለት …

Read More »

ሕማም ክሮን ( Crohn’s disease )

ሕማም ክሮን ኣብ መዓናጡና ( colon) ሕዱር ረኽሲ ዘኸትል ሕማም እዩ። እቲ ረኽሲ ድማ ኣብ ቀጢን መዓንጣ፣ ገፉሕ መዓንጣ ወይ ድማ ኣብ ባጡቕ ከጋጥም ይኽእል። እንተኾነ ግን እቲ ረኽሲ ኣብ ኣፍ፣ ጨጎራን መሃንቱስን ውን ከጋጥም ይኽእል እዩ።  ስለዚ መግቢ ዝሓልፈሉ ዘበለ ካብ ኣፍ ጀሚርካ ክሳብ መሃንቱስ ክርክስ ይኽእል። ደረጃ ጥርዓን ናይ ምልክታት ናይዚ ሕማም ድማ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ክፈላለ …

Read More »

ምዕባለ ደሞክራሲ

ደሞክራሲ ዝብል ቃል፡ ካብ ‘ደሞስ‘ ማለት ህዝቢ፡ ‘ክራተይን‘ ከኣ ምምሕዳር ዝብላ ቃላት ግሪኽ ዝቖመ‘ዩ። ስርዓተ ደሞክራሲ፡ ድሕረ ባይታኡ ቅድሚ ግዜና እዩ ጀሚሩ። 500 ዓመት ቅድሚ ግዜና ኣብ ጥንታዊት ግሪኽ ሓደ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ተተኺሉ። ሽዑ እታ ግሪኻዊት ከተማ ኣተንስ ካብ ውልቀ መላኽነት ናብ ሓደ ደሞክራሲያዊ ዓይነት ምሕደራ ተቐዪራ። እንተኾነ ግን ሰብኡት ጥራይ‘ዮም ክውስኑ ዝኽእሉ ነይሮም። ኣንስቲ፡ ባራዩን ወጻእተኛታትን ኣብ ውሳነ ምንም …

Read More »

ዘይቲ ጅንጅብል

ቀመማዊ ጣዕሚ ዘለዎ ዘይቲ ጅንጅብል፡ ካብቲ ኣብ ትሕቲ መሬት ዝርከብ መሪር መኣዛ ዘለዎ ሱር ናይ ጅንጅብል እዩ ዝስራሕ። ጅንጅብል፡ ንኣሽሓት ዓመታት ከም መፈወስን መማቕርትን ተባሂሉ ዝተፈላለዩ ሰባት ተጠቒሞሙሉን ገና ይጥቀምሉን ኣለዉ። ብፍላይ ከኣ ኣብ ቻይና፡ ህንድን ግሪኽን ብዝለዓለ ደረጃ ይሃልኽ። ጅንጅብል፡ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ንጥቀመሉ ስለዘለና፡ ኣብዚ ግዜ’ዚ ካብ ቀመማ ቀመም ዝለዓለ ደረጃ ሒዙ ይርከብ። ዘይቲ ጅንጅብል፡ ቅጥን ኢሉ ሃሳስ ብጫ …

Read More »

ኣብ ዓፋር 3.8 ሚሊዮን ዓመት ዝዕድሚኡ ሽክና-ርእሲ ተረኺቡ

ኣብ ክልል ዓፋር 3.8 ሚሊዮን ዓመት ዝዕድሚኡ ሽክና-ርእሲ ሰብ መሰል-ህበይ ብምርምር ኩዕታ ከምዝተረኸበ በዓል-መዚ ሓለዋን ምርምርን ሓድግታት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። እቲ ሽክና-ርእሲ ዝተረኸበሉ ቦታ፡ ኣብ ክልል ዓፋር ወረዳ ሚሌ ፍሉይ ስሙ ሚሮ-ዶራ ዝተባህል ከባቢ እዩ። ኣብቲ ከባቢ፡ ‘ቅድመ-ታሪኽ ወራንሶ ሚሌ’ ተባሂሉ ዝፍለጥ ጉጅለ ምርምር ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት መጽናዕቲ ከካይድ ጸኒሑ። ‘ኔቸር’ ኣብ ዝተብሃለ ዓለም-ለኻዊ መጽሄት ሳይንስ ድማ ዕላዊ ኾይኑ ኣሎ። ምንጪ: …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com