Saturday , May 18 2024

ቁጠባ

Harmony Media News 19/03/2021

Read More »

በዓል መዚ መልዕሎ (ጥሮታ)፡ ኣብ ዘይንቀሳቐስ ንብረት ወፍርታቱ ይጅምር

በዓል መዚ መልዕሎ ሽወደን፡ ኣብ ልዕሊ ዘካይዶም ዘሎ ወፍርታት፡ ተወሳኺ ወፍሪ፡ ኣብ ዘይንቀሳቐሱ ንብረት (ኣባይቲ) ከምዝጀመረ ሓቢሩ። በዓል መዚ ጥሮታ ሽወደን፡ ምስ ኩባንያ ሄምስቶደን ቡስታድ (Heimstaden bostad) ናይ ሓደ ቢልዮን ክሮነ ወፍሪ ጀሚሩ ከምዘሎ ሎሚ ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። በዓል መዚ ጥሮታ ሽወደን፡ ወፍርታቱ ኣብ ዘይንቀሳቐሱ ንብረት ምግባሩ፡ ንዝያዳ ውሕስነት ናይ ዋጋታትን ብቐጻሊ ኣብ …

Read More »

ኢጣልያ፡ ንኽልተ ዓለምለኻውያን ኩባንያታት ነዳዲ ብናጻ ትለቅቕ

ቤት ፍርዲ ኢጣልያ፡ ነተን ብብልሽውና እተኸሰሳ ዓለምለኻውያን ኲባንያታት ነዳዲ፡ ኤኒን ሼልን፡ ናጻ ከም ዝለቐቐን ተፈሊጡ። እዚ ንነዊሕ እዋን ብቤት ፍርዲ ክረአ ዝጸንሐ ክሲ፡ ኣብ 2001፡ ብ 1 ቢልዮን ዶላር እተዓደገ ማያዊ ገማግም ዕደና ነዳዲ ናይጀርያ ዝምልከት እዩ ኔሩ። ኣኽበርቲ ሕጊ ዝበዝሐ ካብዚ ገንዘብ ን ሰብ መዚ ናይጀርያ ብጉቦ መልክዕ እተዋህበ እዩ ክብሉ እዮም ከሲሶም። እንተኾነ ግና ኣብ ሚላኖ ዝርከብ ቤት …

Read More »

Harmony Media News 17-03-2021

Read More »

ኣብ ቡልጋርያ፡ ትምዩን ባጤራታት ተታሒዙ

ካብ ርእሲ ከተማ ቡልጋርያ፡ ሶፍያ፡ ናብ ምዕራብ ኤውሮፓዊት ሃገር፡ ዩክሬን፡ ክሰግር ተመዲቡ ዝነበረ ልዑል ደረጃ ዘለዎ ትምዩን ባጤራታት፡ ብፖሊስ’ታ ሃገር ከምዝተታሕዘ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ውሽጣዊ ጉዳይ ሚኒስተር’ታ ሃገር ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ምስዚ ጉዳይ ብዝተኣሳሰር፡ ሓደ ወዲ ተባዕታይን ሓንቲ ጓል ኣንስተይትን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ተፈሊጡ ኣሎ። እቲ ብዝለዓለ ደረጃ ብቕዓት ዝተሰርሐ ትምዩን ባጤራታት፡ ካብቲ ናይ ብሓቂ ባጤራታት …

Read More »

ናይ ቤት መግብታት መጠን ሽያጥ፡ ኣንቆልቊሉ

ለበዳ ኮሮናን ንዕኡ ንምብዳህ ተባሂሉ ዝወጹ መምርሒታት፡ ንኢንዱስትሪ ቤት መግብታት፡ ብኸቢድ ሃስይወን ይርከብ። ኣብ መላእ ዓመተ 2020፡ መጠን ሽያጥ ናይቲ ኢንዱስትሪ፡ ምስቲ ናይ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ፡ ብ20% ከምዝጎደለ፡ እዚ ማለት ድማ 26 ቢልዮን ክሮነ ከምዝበጽሕ፡ ጸብጻባት ቤት ጽሕፈት ስታትስቲክስ ሽወደን ይሕብሩ። ኣብ ዓመተ 2020፡ ጠቕላላ መጠን ሽያጥ ናይቲ ኢንዱስትሪ፡ 104 ቢልዮን ክሮነ ምንባሩን እቲ 21.5 ቢልዮን ክሮነ ድማ …

Read More »

ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሽወደናውያን፡ ኣመልኪቶም (Declaration)

ሓደ መዓልቲ ድሕሪ መስርሕ ምምላስ ክፍሊት ግብሪ ምኽፋቱ፡ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሽወደናውያን ብመንገዲ ኤሌክትሮኒካዊ ደብዳቤ ከም ዘመልከቱ ተፈሊጡ። ኣብዚ ዓመት’ዚ ዘመልከቱ ሽወደናውያን፡ 1 ሚልዮንን 40 ሽሕን ክኾኑ እንከለዉ፡ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ናይ ዝሓለፈ ዓመት፡ እቲ ቁጽሪ፡ 766 ሽሕ ምንባሩ ይዝከር ክብል ቤት ጽሕፈት ኤጀንሲ ግብሪ ሽወደን (ስካትቬርከት) ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ። ክንዲ’ዚ ዝኣኽሉ ሰባት፡ ኣብ ሓጺር እዋን ከመልክቱ ምኽኣሎም፡ …

Read More »

ኬንያ፡ ዕዳኣ ንኽትሽፍን፡ ወደባ ኣሕሊፋ ንቻይና ኣይክትህብን እያ

ሃገረ ኬንያ፡ ብልቓሕ ቻይና ዝሃነጸቶ መንገዲ ባቡር ንምኽፋል ስለ እተጸገመት ወደባ ኣሕሊፋ ንቻይና ክትህብ እያ ዝብል ጸብጻብ ሓሶት እዩ ክብል፡ ሚኒስተር ፋይናንስ ኬንያ፡ ኡኩር ያታኒ ገሊጹ። እዚ ሓድሽ 472 ኪሎሜትር ዝንውሓቱ መንገዲ ባቡር ካብቲ ንቡር ኣህጒራዊ ዋጋ ሰለስተ ዕጽፊ ካብቲ ፈለማ እተገመቶ ኸኣ ኣርባዕተ ዕጽፊ ምውድኡ እዩ ዝንገረሉ። ሓንቲ ጋዜጣ፡ ኬንያ ብሰኑይ ኣብ ዘውጽኣቶ ሓበሬታ ኣለቃሕቲ ቻይና ንወደብ ሞምባሳ ክቈጻጸርዎ …

Read More »

Harmony Media News 15-03-2021

Read More »

ሰሙናዊ ሓበሬታ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት

ዝሓለፈ ሰሙን፡ 7150 ሰባት ሓደስቲ ስራሕ ኣልቦ ሰባት ክምዝገቡ እንከለዉ፡ 9500 ሰባት ድማ ስራሕ ወይ ድማ ስሩዕ ትምህርቲ ምጅማሮም ቤት ጽሕፈት ኣርቤትስፎርሜድሊን ሓቢሩ። ምስ ቅድሚኡ ዝነበረ ሰሙን ክነጻጸር እንከሎ፡ ብዝሒ ናይቶም ሰሙናዊ ስራሕ ኣልቦ ዝኾኑ ሰባት፡ ብውሑድ ከምዝነከየ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ። መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝነበረ፡ 8.7% ናብ 8.6% ብምጉዳሉ እቲ ቁጽሪ 450,320 በጺሑ ይርከብ። ኣብዚ ሰሙን’ዚ፡ 930 …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com