Monday , May 20 2024

ዜና መጽሄት

ሓድሽ መንግስቲ ሽወደን ብዙሕ ብድሆታት ይጽበዮ ምህላዉ ተገሊጹ።

ኣብዚ ሰሙን ሓድሽ ጥሙር መንግስቲ የማናይ ቀጽሪ ዘቖመ መራሒ ሰልፊ ሞደራትናን ቀዳማይ ሚኒስተርን ኡልፍ ክሪስተርሰን፡ ኣብ ጒዳይ ፖሊሲ ጸዓት፡ ሕቶ ስደተኛታትን ጒዳይ ገበንን ንሽወደን ኣብ ሓድሽ መድረኽ ከእትዋ ከም ዝደሊ ገሊጹ። ይዂንምበር ነዚ ስሉስ-ሰልፋዊ መንግስቲ ናብ ኣጀንዳ ጽገና ዝመርሑ ብርክት ዝበሉ ህጹጻት ብድሆታት ከም ዘለዉ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ “ሶደርቶን” ረዳት ፕሮፌሰር ፖለቲካዊ ስነፍልጠት ኒኮላስ ኣይሎት ይገልጽ። “ሓደ ካብ ህጹጻት ብድሆታት እዚ …

Read More »

ክሪስተርሰን ጒዳይ ቅልውላው ጸዓት ኣውሮጳ ንምዝታይ ናብ ብራስለስ ኣትዩ።

ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ኡልፍ ክሪስተርሰን፡ ንፋልማይ ግዜኡ ኣብ ዋዕላ ኣውሮጳዊ ሕብረት ንምስታፍ፡ ትማሊ ናብ ብራስለስ ኣትዩ’ሎ። ኣብዚ ዋዕላ፡ ቅልውላው ጸዓት ኣውሮጳዊ ሕብረት ቀንዲ ኣጀንዳ ኮይኑ ክዝተየሉ እዩ። ብኮሚሽን ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ጠረጴዛ ካብ ዝቐርቡ እማመታት፡ ሓባራዊ ሸመታ ጋዝ፡ ንፈሳሲ ባህርያዊ ጋዝ ሓድሽ ናይ ዋጋ ተመን ምልጣፍ፡ ከምኡ’ውን ካብ መትረባት ንዝመጽእ ጋዝ “ተንቀሳቓሲ” ውሱን ዋጋ ምቕማጥ ዝብሉ እዮም ተባሂሉ’ሎ። ኣውሮጳዊ …

Read More »

ሽወደን “ኣንስታዊ ጒዳያት ወጻኢ” ክትገድፍ እያ ተባሂሉ።

ሓድሽ ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ቶቢያስ ቢልስትሮም፡ ነቲ “ኣንስታዊ ጒዳያ ወጻኢ” ዝተሰምየ ገዲም መርሖ ክርሕርሖ ምዃኑ ገሊጹ። እቲ መርሖ ካብ ዘረባ ዘይሓልፍን ትሕዝቶ ኣልቦን እናኾነ ብምምጽኡ ክውገድ ከም እተገብረ፡   ይዂንምበር ሕጂ’ውን ሽወደን ን “ማዕርነት ጀንደር” ከም እትቐውም ኣስሚሩሉ’ሎ። “ማዕርነት ጀንደር ሕመረት ክብሪ ሽወደንን እዚ ሓድሽ መንግስቲን እዩ፡ እንተኾነ ግና ኣንስታዊ ፖሊሲ ጒዳያት ወጻኢ ምኽታል ሓዲግናዮ ኣሎና” ክብል ቶቢያስ ወሲኹ ሓቢሩ’ሎ። …

Read More »

ማሕበር ኢንዱስትሪታት ኣብ ፖሊሲ ሓድሽ መንግስቲ ዘሎ ረብሓን ጒድኣትን ይግምግም።

ቊጠባዊ ፖሊሲታት ሓድሽ መንግስቲ ሽወደን፡ እወታዊን ኣሉታዊን ጎድኒኣት ከም ዘለዎም ምክትል ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኮንፈደሬሽን ዋኒናት ሽወደን ካሪን ዮሃንሰን ገሊጻ። ኣብ ስድራቤታትን ቢዝነሳትና ዝጸንሐ ልዑል ዋጋ ጸዓት ኤለትሪክ ንምቕራፍ ዝግበር ጻዕሪ ዝድገፍ እኳ እንተኾነ፡ እዞም ፖሊሲታት ኣብ እዋን ለበዳ ዝነበረ ናይ ሽቐለት-ኣልቦነት ረብሓታት ንምውሳኽ ድሌት ከም ዘይብሎም ካሪን ምስ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝነበራ ጻንሒት ወሲኻ ኣብሪሃ’ላ። እዞም ፖሊሲታት ስራሕ ንዝቕይሩ …

Read More »

ኲሉ ነፍሰ-ቕትለት ክምርመር እዩ–ሓድሽ መንግስቲ።

ኣብ ሽወደን ድሕሪ ሕጂ ኲሉ ነፍሰ-ቕትለታዊ ሞት ክምርመር ምዃኑ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኡልፍ ክሪስተርሰን ፖሊሲ ሓድሽ መንግስቲ ኣብ ዝኣወጀሉ ኣጋጣሚ ቃል ኣትዩ’ሎ። ዕላማ ናይዚ መግለጺ፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት፡ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ጽላታት ፖሊስን ክንክን ጥዕናን ብዛዕባ’ዚ ጒዳይ ዝያዳ ክፈልጡን ክከላኸልዎን ንምግባር እዩ ተባሂሉ’ሎ። ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት፡ ኣብ ኣፕሳላ ወዳ ነፍሰ-ቕትለት ብምፍጻም ዝሞታ ኤቫ ኦስተርማን-ሊንድ፡ ኣብ ኣማውታ ወዳ ዝግበር መርመራ ንስድራቤታ ስነልቦናዊ ዕረፍቲ ክህቦም …

Read More »

ሓድሽ መንግስቲ ገምጋም ኣከባቢ ትካላት ማያዊ ጸዓት ደው ክብል ጌሩ።

ሓድሽ ዝቖመ መንግስቲ የማናይ ክንፊ፡ ነቲ ትካላት ማያዊ ጸዓት ኣብ ኣከባቢ ዘለዎም ጽልዋ ንምግምጋም ክግበር ዝጸንሐ መጽናዕቲ ንግዜኡ ደው ኣቢልዎ። ኣብ ሽወደን 2000 ዝኾና ኤለትሪክ ዘመንጩዋ ናይ “ሃይድሮኤለትሪክ” ትካላት ኣለዋ። ዘድሊ መጠን ጸዓት ንምፍራይ ዝሕግዝ እንተኾይኑ፡ ዝሓለፈ መንግስቲ ዘንበሮም ሕጊታት ክቕየሩ ከም ዝኽእሉ እውን ተመልኪቱ’ሎ። እዚ እናኾነ፡ ኣብ ማሕበር ኣንግለር ሽወደን ዝዓዪ ስተን ፍሮም፡ እዚ ወፍሪ ማያዊ ጸዓት ንኸምኒ ሳልሞንን …

Read More »

መንግስቲ ብዘይፍቓድ ዝነብሩ ሰባት ክሰጒግ ከም ዝደሊ ገሊጹ።

ሓድሽ መንግስቲ ክሪስተርሰን ኣብ ሽወደን ብዘይፍቓድ ዝነበሩ ሰባት ምስጓጒ ቀዳምነቱ ክገብሮ ከም ዝደሊ ተሓቢሩ። ፖሊስ ናይ መንበሪ ፍቓድ የብሎምን ኢሎም ንዝጥርጥርዎም ሰባት ወረቐት መንነቶም ናይ ምምርማር ክእለቶም ክዓቢ ዝብል እማመታት እውን ቀሪቡ ምህላዉ–ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ። መበቈላዊ ሃገራት እዞም ተሰጐጒቲ ክቕበላኦም ፍቓደኛ ስለ ዘይኾና፡ ልዕሊ ፍርቂ ካብዞም ናይ ምስጓጒ ፕሮግራማት ተግባራዊ ከም ዘይኾኑ፡ ን ሓላፊ ፖሊስ ዶባት ከይሳ ቨልደን ብምጥቃስ ኣገልግሎት …

Read More »

ሩስያ ኣብ “ኬርሶን” ጽዑቕ ደብዳብ ይካየድ ምህላዉ ተኣሚና።

ኣብ ደቡባዊ ከተማ ኬርሶን ዘሎ ኲነታት “ኣሸጋሪ” ምዃኑን፡ ነበርቲ ክግዕዙ ምዃኖምን ኣዛዚ ሰራዊት ሩስያ ኣብ ዩክሬይን ገሊጹ። ሰራዊት ዩክሬይን ሮኬታት ‘ሂምራስ” እናተጠቕሙ ንትሕተ ቕርጺን ኣባይቲን እታ ከተማ የዕንዉ ኣለዉ ክብል ጀነራል ሰርጌይ ሱሮኪቪን ንተሌቪዥን ሩስያ ገሊጹ’ሎ። እዚ ብጀነራል ሰርጌይ ዝተዋህበ መግለጺ፡ ድሒሩ ብ ሩስያዊ ተመዛዚ ዞባዊ እዚ ክሪስቲል ስትረምሶቭ እውን ከም እተደግመን ሰራዊት ዩክሬይን ኣብ ቀረባ እዋን ኣብታ ከተማ መጥቃዕቲ …

Read More »

ቊጠባዊ ጽገናታት ምግባር ግዜ ከም ዝሓትት ተገሊጹ።

ኣርባዕቲአን ሰልፊታት የማናይ ክንፊ ዝተስማምዑሎም ጸገናታት ግዜ ዝሓቱ ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ። እዚ ኣናኾነ፡ ህሉው ቊጠባዊ ኲነታት ኣብ ልዝብ ባጀት ናይ ባዕሉ ተጽዕኖ የሕድር ምህላዉ ሓዳስ ተሰያሚት ሚኒስትሪ ፋይናንስ ኤልሳቤጥ ስቫንቴሰን ገሊጻ’ላ። ቅድሚ ናይ ሚኒስተርነት ሽመታ ቃለመሕትት ዝገበረት ስቫንቴሰን “ህሉው ኲነታት ኣብ ግምት ብምእታዉ፡ ኲሉ ነገር ኣብዚ ናይ ፈለማ በጀት ክትግበር ኣይከኣልን እዩ” ብምባል ቊጠባዊ ጽገናታት …

Read More »

ካብ ሰልፊ ሊበራል ሓሙሽተ ሚኒስተራት ተሸይሞም።

ሓሙሽተ ካብቶም 25 ንሚኒስተርነት እተሸሙ ፖለቲከኛታት ካብ ሰልፊ ሊበራል ምዃኖም፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ሰልፊ ንዘሎ ውሽጣዊ ግርጭታት ከህድኦ ይኸውንዶ ዝብል ሕቶ ኣለዓዒሉ ምህላዉ ይግለጽ ኣሎ። ክልተ ካብ ሰልፊ ሊበራል ዝኾናን ኣብዚ ሓድሽ መንግስቲ ንሚኒስተርነት ተሸይመን ዘለዋን ሎታ ኤዶልምን ፖውሊና ብራድበርግን፡ በዚ ትስፉዋት ምዃንነ እየን ዝገልጻ። ሰልፊ ሊበራል፡ ነቲ ብኣርባዕቲአን ሰልፊታት ዝተበጽሐ ውዕል ዘለዎም ቅረታ ክገልጹ ምጽንሖም ዝፍለጥ እዩ።  

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com