Friday , May 10 2024

ዜና መጽሄት

“A-tractors” ዝተባህላ መካይን ኮተቴ ሓደጋ የስዕባ ምህላወን ተገሊጹ።

“A-tractors” ዝተባህላን ክሳብ 30 ኪሎሜትር ኣብ ሰዓት ክፈጥና ተመሓዪሸን እተሰንዓን መካይን ብብዝሒ ንሓደጋ ትራፊክ ይቃልዓ ምህላወን ተገሊጹ። እዘን መካይን ኮተቴ ዝዝውርወን ኮይነን፡ ኣብ ቀረባ ሳምንታት ጥራይ ኣርባዕተ ሰባት በዚ ሓደጋ ምሟቶም ተፈሊጥ’ሎ። 80% ካብዘን መርመራ እተኻየደለን መካይን “A-tractors” ካብቲ ዝተወሰነለን ፍጥነት ንላዕሊ ክንህራ ዝገብር ናይ ሞተረ ምትዕርራይ ከም ዘለወን ፖሊስ ገሊጾም ኣለው። በዚ ድማ ሓድሽ ሚኒስተር ትሕተ-ቕርጺ ኣብ ጒዳይ ሕጊታት …

Read More »

ድሕሪ ምርጫ ንመጀመርታ ግዜ ክትዕ ባይቶ ተኻዪዱ።

ድሕሪ ምርጫን ምቛም ሓድሽ መንግስቲን፡ ትማል ረቡዕ ኣብ ባይቶ ኣብ ዝተኻየደ ፋልማይ ክትዕ ኣንፈት መጻኢ ፖለቲካ ሽወደን ክንጸር ከም እተኻእለ ይግለጽ ኣሎ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኡልፍ ክሪስተርሰን፡ ኣብ ሽወደን ሓድነት ከም ዘድሊ ድሕሪ ምግላጽ መጠን ናይቲ ንመንግስቲ ዝጽበዮ ዘሎ ዕማማት ዘርዚሩ’ሎ። ተቓወምቲ ሰልፊታት ብወገነን፡ ሰልፊ ዴሞክራሲ ዋላኳ ኣካል ናይዚ ሓድሽ መንግስቲ ኣይዂን፡ ኣብ ባይቶ ን ክሪስተርሰን ብምድማጹ ጥራይ ኣካል ናይቲ ትሓታትነት …

Read More »

ን 50 ዓመታት ኣካላቱ ተሓጺቡ ዘይፈልጥ ኢራናዊ ኣብ 94 ዓመቱ ዓሪፉ።

ብ መራኸቢ ብዙሃን ዓለምና “ዝረስሐ ሰብ” እናተባህለ ዝጽዋዕን፡ ን ልዕሊ 50 ዓመታት ኣካላቱ ተሓጺቡ ዘይፈልጥን ኢራናዊ ባሕታዊ፡ ኣብ መበል 94 ዕድሜኡ ዓሪፉ። ቅድሚ ሞቱ ሒደት ኣዋርሕ ኣቐድም ኣቢሉ ሓንሳብ ከም እተሓጽበ ዝገለጸ ጸብጻብ ቢቢሲ ማይን ሳሙናን ከሕምመኒ እዩ ዝብል ፍርሒ ንልዕሊ ፍርቂ ዘመን ከይተሓጽበ ክጸንሕ ከም ዝገብሮ ወሲኻ ጸብጺባ። ኣብ ደቡብ ኢራን ኣብ እትርከብ ኣውራጃ ፋርስ ዝቕመጥ እዚ ባሕታዊ ደቂዓዱ …

Read More »

ኣብ መመንጨዊ ጸዓት ንፋስ ዝተገብረ ወፍሪ ክደናጐ ይኽእል እዩ ተባሂሉ።

ሓድሽ የማናይ ቀጽሪ መንግስቲ ክሪስተርሰን ዝኣተዎ ስምምዓት፡ ነቲ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝርከብ መመንጨዊ ጸዓት ንፋስ ዝሃሲ’ዩ ክብሉ ክኢላታት ኢንዱስትሪ ጸዓት ንፋስ ሻቕላኦም ይገልጹ’ለዉ። እዚ ኣብ ጒዳይ መመንጨዊ ጸዓት ንፋስ እተበጽሐ ሰነዳዊ ስምምዕ ነቲ ኣቐዲሙ እተበጽሐ ስምምዓት ዝስርዝ ምዃኑ ቀንዲ ምኽንያት ሻቕሎት እዞም ክኢላታት እዩ ተባሂሉ’ሎ። ብመሰረት እዚ ሓድሽ ሕጊታት ተወጢኖም ዝጸንሑ ወፍሪታት ክደናጎዩ ይኽእሉ እዮም–ብመሰረት መግለጺ ማሕበር መመንጨዊ ጸዓት ንፋስ …

Read More »

ሰራሕተኛታት ፋብሪካ ወሰኽ ደሞዝ ክግበረሎም ይትስፈዉ።

ኣብ ሉድቪካ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት “ሂታቺ ኤነርጂ” ንክብሪ ናብራ ኣብ ግምት ዘእተወ ወሰኽ ደሞዝ ክግበረሎም ተስፋ ጌሮም ምህላዎም ገሊጾም። መጠን ዝቕባበ ክብ ከም ዝብል ዝገብር እዩ ብምባል፡ ማሕበራት ንግድ ኣብ ምውሳኽ ደሞዝ ጥንቃቐ ክግበር እየን ዝመኽራ። ሰራሕተኛ ፋብሪካ ሚካኤል ፐርሾን “ኲልሳዕ ናይ 2.5% ወሰኽ ሸቶ ኢና ክንገብር ጸኒሕና፡ መታን ናይ 4 ወይ 5% ክንረክብ ስለምንታይ ብሓንሳብ ናይ 10% ሸቶ ዘይንገብር” ክብል …

Read More »

ሽወደን ምስ ቱርክ ጽቡቕ ዝምድና ክህልዋ ከም እትደሊ ገሊጻ።  

ሓድሽ ዝቖመ መንግስቲ ሽወደን፡ ምስ ቱርክ ጽቡቕ ዝምድና ክህልዎ ከም ዝደሊ ኣባል ሰልፊ ሞደራትናን ሚኒስተር ምክልኻል ሽወደንን ፖል ጆንሰን ን ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። ናብ ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ–ኔቶ–ምጽንባር ኣብ ጒዳያት ወጻኢ መንግስቲ ሽወደን ናይ ቀዳምነት ቀዳምነታት እዩ ዝበለ ጆንሰን፡ ቱርክን ሃንጋሪን ኣብዚ ሕቶ ኣባልነት ሽወደን ዕንቅፋት ኮይነን ምህላወን ወሲኹ ኣመልኪቱ። ብዘይካዚ ሽወደን ን ዩክሬይን ምዕቡላት ኣጽዋር ብሓገዝ ክትህብ ምዃና ጆንሰን …

Read More »

ቋንቋ ሽወደን ብግቡእ ዘይምርዳእ ስራሕ ንዝደልዩ ዕንቅፋት ይኸውን ኣሎ ተባሂሉ።

ኣብ ወጻኢ ዝተወልዱን ቋንቋ ሽወደን ብግቡእ ዘይመልኩን ዜጋታት፡ ዝተሓተ ስራሕ ንምርካብ እውን ከይተረፈ ይሽገሩ ምህላዎም ብማእከል ቢዝነስን መጽናዕቲ ተኻዪዶም ናብ ኣስራሕቲ ዝተላእኩ ክልተ ዳህሳሳት ኣመልኪቶም። “ሽወደንኛ ምንባብን ምጽሓፍን ኣብ ናእሽቱ ሽቕለት እውን ከይተረፈ ኣዝዩ ኣገዳሲ እናኾነ እዩ ዝመጽእ ዘሎ” ክብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ስቶክሆልም ፕሮፌሰር ስነቚጠባ፡ ከምኡውን ሓደ ካብ ኣዳለውቲ እዚ መጽናዕቲ— ኦሎፍ ዳን ሩት ገሊጹ’ሎ–መሰረት ጸብጻብ ሬድዮ ሽወደን።

Read More »

ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ፊንላንድ ሓድሽ ናይ መቐበሊ ማእከላት ክኸፍት እዩ።

ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ፊንላንድ ሓድሽ ናይ መቐበሊ ማእከላት ክኸፍት ምዃኑ ገሊጹ። ካብ ዩክሬይን ዝስደዱ ሰባት ቊጽሮም እናወሰኸ ብምምጽኡን ነዚኦም መዕቆቢ ንምቕራብን እዩ እዚ ውሳነ ተበጺሑ ዘሎ። ገለ ካብዞም ዝትከሉ ማእከላት ጨንፈራት ናይቶም ኣቐዲሞም ዝጸንሑ ማእከላት ክኾኑ እዮም ተባሂሉ’ሎ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ፊንላንድ ብጠቕላላ 86 ናይ መቐበሊ ማእከላት ከምኡ’ውን 8 ናይ ትሕቲ ዕድመ መቐበሊ ኣሃዱታት ከም ዘለዋ ይፍለጥ። ዛጊት 42,000 ዝኾኑ ሰባት …

Read More »

ተመን ኮብራ ካብ መካነ እንስሳ ስካንሰን ኣምሊጡ።

ዝሓለፈ ቀዳም 2.5 ሜትሮ ዝንውሓቱ ተመን ኮብራ ካብ መካነ እንስሳ ስካንሰን ከም ዘምለጠን ክሳብ ሕጂ ክርከብ ከም ዘይተኻእለን ተገሊጹ። እዚ ተመን ሰባት ከጥቅዕ እዩ ዝብል ስግኣታት የለን–ብመሰረት ሓላዊ እንስሳታት ቦሲ ጆንሰን። እቲ ኮብራ ክሳብ ዝርከብ እቲ መካነ ህይወታውያን ንግዜኡ ተዕጽዩ ክጸንሕ እዩ።  

Read More »

ፍጡን ክትባት ሰዓል ሓደጋ ሞት ሕሙማት ድኻም ልቢ ከጒድል ከም ዝኽእል ተገሊጹ። https://sverigesradio.se/artikel/quick-flu-shot-for-heart-attack-patients-could-save-lives-down-the-track ፍጡን ክትባት ሰዓል ንሕሙማት ድኻም ልቢ ከድሕን ከም ዝኽእል፡ እንተኾነ ግና እዚ ስሩዕ ናይ ክትባት መስርሕ ካብ ዞባ ናብ ዞባ ከም ዝፈላለ ተሓቢሩ። ንኣብነት ኣብ ስቶክሆልምን ኦረብሮን ተሓከምቲ ኣብ ሆስፒታል እናሃለዉ ክኽተቡ እንከለዉ ኣብ ኡፕሳላ ግና ናብ ማእከል ክንክን ጥዕና ክበጽሑ ይንገሮም ኣሎ ተባሂሉ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሆስፒታል ኦሬብሮ ዝሰርሕ ፕሮፌሰር ኦለ ፍሮበርት፡ ኣብ ድኻም ልቢን ዓባይ ሰዓልን መጽናዕቲ ድሕሪ ምክያድ፡ ሕሙማት ድኻም ልቢ ኣብ ሆስፒታል እናሃለዉ እዚ ክትባት ክወሃቦም እንተተጌሩ ኣብ ዝቕጽል ዓመት በዚ ሕማም ክስዕብ ዝኽእል ሓደጋ ሞት ብ 40% ክጐድል ከም ዝኽእል ገሊጹ’ሎ–ብመሰረት ጸብጻብ ሬድዮ ሽወደን።

ፍጡን ክትባት ሰዓል ንሕሙማት ድኻም ልቢ ከድሕን ከም ዝኽእል፡ እንተኾነ ግና እዚ ስሩዕ ናይ ክትባት መስርሕ ካብ ዞባ ናብ ዞባ ከም ዝፈላለ ተሓቢሩ። ንኣብነት ኣብ ስቶክሆልምን ኦረብሮን ተሓከምቲ ኣብ ሆስፒታል እናሃለዉ ክኽተቡ እንከለዉ ኣብ ኡፕሳላ ግና ናብ ማእከል ክንክን ጥዕና ክበጽሑ ይንገሮም ኣሎ ተባሂሉ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሆስፒታል ኦሬብሮ ዝሰርሕ ፕሮፌሰር ኦለ ፍሮበርት፡ ኣብ ድኻም ልቢን ዓባይ ሰዓልን መጽናዕቲ ድሕሪ ምክያድ፡ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com