Wednesday , May 15 2024
(AP Photo/Kirsty Wigglesworth, File) TKMY105

ን 50 ዓመታት ኣካላቱ ተሓጺቡ ዘይፈልጥ ኢራናዊ ኣብ 94 ዓመቱ ዓሪፉ።

ብ መራኸቢ ብዙሃን ዓለምና “ዝረስሐ ሰብ” እናተባህለ ዝጽዋዕን፡ ን ልዕሊ 50 ዓመታት ኣካላቱ ተሓጺቡ ዘይፈልጥን ኢራናዊ ባሕታዊ፡ ኣብ መበል 94 ዕድሜኡ ዓሪፉ። ቅድሚ ሞቱ ሒደት ኣዋርሕ ኣቐድም ኣቢሉ ሓንሳብ ከም እተሓጽበ ዝገለጸ ጸብጻብ ቢቢሲ ማይን ሳሙናን ከሕምመኒ እዩ ዝብል ፍርሒ ንልዕሊ ፍርቂ ዘመን ከይተሓጽበ ክጸንሕ ከም ዝገብሮ ወሲኻ ጸብጺባ። ኣብ ደቡብ ኢራን ኣብ እትርከብ ኣውራጃ ፋርስ ዝቕመጥ እዚ ባሕታዊ ደቂዓዱ ክሕጸብ ብዙሕ ይደፋፍእዎ እኳ እንተነበሩ ንዓሰርተታት ዓመታት ክሕንግድ ድሕሪ ምጽናሕ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ተሓጺቡ እዩ። ድሕሪዚ ነዊሕ ከይጸንሐ ዝሓመመ እዚ ባሕታዊ ዝሓለፈ ሰንበት ምሟቱ ንኣገልግሎት ዜና ኢራን ብምጥቃስ ቢቢሲ ጸብጺባ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com