Monday , May 20 2024

ዜና

ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ልዕሊ 600 ስደተኛታት ን “ኢንግሊሽ ቻነል” ጥሒሶም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት፥ ልዕሊ 600 ስደተኛታት ን “ኢንግሊሽ ቻነል” ጥሒሶም ናብ መሬት ብሪጣንያ ምእታዎም ተገሊጹ። እዚ ድማ ኣብ ሓደ መዓልቲ እተመዝገበ ዝዓበየ ጠሓስቲ እዚ ቻነል ኣሃዝ ምዃኑ “ቤት ጽህፈት ዘቤታዊ ጒዳያት” ዓባይ ብሪጣንያ ገሊጹ። እዞም 616 ስደተኛታት፥ ብ 12 ጀላቡ ጌሮም እዮም ካብ ገማግም ፈረንሳ ተበጊሶም ን ኢንግሊሽ ቻናል ብምጥሓስ ናብ ገማግም ዓባይ ብሪጣንያ ኣትዮም ዘለዉ። ኣብዚ ዓመት፥ ካብ ቀንዲ …

Read More »

“ክቱር ድኻም ሓደ ካብቶም “ዝተናውሐ ሕማም ኮቪድ” ዘጥቅዖም ሰባት ዘርእይዎ ምልክታት እዩ”–ሓደ መጽናዕቲ።

ክቱር ድኻም ሓደ ካብቶም “ዝተናውሐ ሕማም ኮቪድ” ዘጥቅዖም ሰባት ዘርእይዎ ምልክታት ምዃኑን፡ እዚ ድማ እዚ ኲነታት ካብ መንሽሮ ብዘይንእስ ን ህይወት ሕሙማት ከም ዝጸሉን ሓደ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ። እዚ መጽናዕቲ ብ ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ኤክስተር ዝተመርሐ እዩ። እዚ ብ “BMJ Open” እተሓትመን ብ “ሃገራዊ ትካል ጥዕናን ክንክን” ን እተመወለ መጽናዕቲ፥ ኣብ ልዕሊ 3,750 ተሓከምቲ “ዝተናውሐ” ሕማም ኮቪድ ዝስዕብ ጽልዋታት ኣጽኒዑ’ሎ። እቶም ተሓከመቲ …

Read More »

“ቆራጽ ውሳነ ኣብ ዘድልዮ ጒዳያት ንግድ፥ ደቀንስትዮ ካብ ተኽሎታት መኽሰብ ብዝያዳ ክሳራ እዩ ዝረኣየን”–ሓደ መጽናዕቲ።

ቆራጽ ውሳነ ኣብ ዘድልዮ ጒዳያት፥ ደቀንስትዮ ካብ ተኽሎታት መኽሰብ ብዝያዳ ክሳራ ስለ ዝረእየን፥ ዕድላት ከም ዘምልጠን ሓደ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ። ኣብ ጒዳያት ንግድን ዋኒንን ደቂተባዕትዮ ካብ ደቀንስትዮ ብዝለዓለ ትስፉውነት ከም ዘርእዩ፡ በዚ ድማ ቆራጽ ውሳነ ኣብ ዘድልዮ ጒዳያት ካብ ሓደጋ ንላዕሊ ዕድላት ከም ዝረኣዮምን፡ ካብ ደቀንስትዮ ብዝለዓለ ኣብዚ ከም ዝነጥፉን ነዚ መጽናዕቲ ዘሕተመ “ብሪቲሽ ጆርናል ኦቭ ሳይኮሎጂ' ብሰፊሑ ተንቲኑ’ሎ። እዚ መጽናዕቲ …

Read More »

ኣብዚ ሰሙን፥ መጠን ሙቐት ኣብ መላእ ሽወደን ክውስኽ እዩ።

ኣብዚ ሰሙን፥ መጠን ሙቐት ኣብ መላእ ሽወደን ከም ዝውስኽን ካብ ሎም ረቡዕ ንደሓር፥ ክሳብ 30 ዲግሪ ሼልሰስ ክበጽሕ’ዩ ክብል ኣገልግሎት ዜና ቲቲ ሓቢሩ። በዚ ድማ ባርዕ ጫካ፥ ኣብ ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር እንተላይ ስቶክሆልምን ያህለቦልያን ኣዝዩ ልዑል ተኽእሎ ከም ዝለዎ፥ ኣገልግሎት ዜና ቲቲ ጸብጺባ’ላ። በዚ ድማ ብዙሓት ምምሕዳራት ከተማን ዞባታትን ኣብ ግዳም ዝግበር ምጥባስ ስጋ፥ ምጥቃም ከሰልን ነዳዲን ኣጊደን ኣለዋ። …

Read More »

ኢንዱስትሪ ምክልኻል ሽወደን ሰራሕተኛታት ናይ ምቚጻር ብድሆ የጋጥሞ።

ኣብ ምድንፋዕ ዝርከብ ኢንዱስትሪ ምክልኻል ሽወደን፥ ሰራሕተኛታት ናይ ምቚጻር ብድሆ ኣጋጢምዎ፡፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ዓበይቲ ኲባንያታትን ንኡሳን ኮንትራክተራትን፥ መሃንድሳትን ኦፐሬተራትን ይድለዩ ምህላወን ተፈሊጡ። እዚ ኢንዱስትሪ ኣስታት 1000 ሓደስቲ ሰራሕተኛታት ክቖጽር ይደሊ’ሎ፥ ክብል ውድብ ንግድ SOFF ገሊጹ’ሎ። እዞም ሰራሕተኛታት ኣብ ምህንድስናን ናይ ምግጥጣምን ስራሕ ዝዋፈሩ እዮም። ናይ ኣየርን ምድሪን መከላኸኢ ኣጽዋር ዘፍሪ እዚ ኢንዱስትሪ ምክልኻልን ድሕነትን፥ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናይ 51 …

Read More »

ቆንስል ከተማ ዮተበሪ 100 ስድራቤታት ስደተኛታት ዓዲሙ–እንተኾነ ማንም ኣብቲ ዕድመ ኣይተረኽበን።

ቆንስል ከተማ ዮተበሪ 100 ናብ ሽወደን ዝኣተዉ ሓደስቲ ስድራቤታት ስደተኛታት ብምዕዳም፥ ህጻናት ደቆም ቅድመ-ትምህርቲ ብኸመይ ክከታተሉ ከም ዝግባእ ሓበሬታ ክህቦም እኳ እንተጸውዐ፥ ኣብቲ ዕድመ ማንም ከም ዘይተረኽበ ኣገልግሎት ዜና SVT ጸብጺባ። ምምሕዳራት ከተማ ካብ ባሕቲ ሓምለ ኣትሒዘን ካብ 3-5 ዝዕድሜኦምን ናብ ቅድመ ትምህርቲ ገና ዘይኣተዉን ቆልዑ ንዘለዉዎም ስድራቤታት ኣመልኪተን ጻውዒት ክገብራ ይግደዳ እየን። “ደቀይ ዝወስዱለይ መሲሉኒ ፈሪሀ እየ ኔረ” ናድያ …

Read More »

ጓል 10 ዓመት ህጻን ብስሕለት ብብርቱዕ ተጎዲኣ ተረኺባ።

ብ ደቡባዊ ሽወደን ማእከላይ ኣንገልሆም ጓል 10 ዓመት ህጻን ብስሕለት ብብርቱዕ ተጎዲኣ ተረኺባ። በዚ መጥቃዕቲ እተጠርጠረት 34 ዝዕድሜኣ መንእሰይ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ ኣትያ’ላ። ጥርጥርቲ ኣብቲ ከባቢ ኣብ እተኸስቱ ካልኦት ገበናት ተዋፊራ እንተኔራ ንምርግጋጽ ፖሊስ ኣብ መርመራ ይርከቡ’ለዉ።

Read More »

ግረታ ተንበሪ ኣብ ኣፍደገ ባይቶ ሽወደን ንክሊማ ኣመልኪታ ተቓውሞ ኣስሚዓ።

ዝሓለፈ ዓርቢ፥ ግረታ ተንበሪ ኣብ ኣፍደገ ባይቶ ሽወደን ንክሊማ ኣመልኪታ ናይ መወዳእታ ናይ ቤት ትምህርቲ መመረቕታ ተቓውሞኣ ኣስሚዓ። ተንበሪ ሰሙናዊ እተካይዶ ናይ ዕለተ ዓርቢ ተቓውሞ ናብ ዓለም-ለኻዊ ምንቅስቓስ ክሊማ ካብ ዝቕየር ሓሙሽተ ዓመታት መሊኡ’ሎ። ዕስራ ዓመታ መሊኣ ዘላ ተጣባቒት ጒዳያት ክሊማ ግረታ ተንበሪ፥ ካብ ላዕለዋይ ካልኣይ ደረጃ ምምራቓ ድሕሪ ምግላጽ እዚ ሕጂ ዝገበረቶ ደጊም ናይ ቤት ትምህርቲ ተቓውሞ ተባሂሉ ከም …

Read More »

ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ሽወደን፥ “ን ወተሃደራት ዩክሬይን ሕጽር ዝበለ ታዕሊም ይወሃብ ኣሎ”

ወተሃደራት ዩክሬይን፥ CV90 ዝዓይነተን ድሩዓት መካይን ብኸመይ ከም ዝጥቀሙ ሕጽር ዝበለ ስልጠና ይወሃቦም ምህላዉ፥ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ሽወደን ገሊጹ። እዘን ድሩዓት መካይን ከም ኣካል ናይቲ ሽወደን ንመኸተ ዩክሬይን ዘለዋ ደገፍ CV90 ንዩክሬይን ምልጋሳ ዝፍለጥ እዩ። ሰራዊት ሽወደን ኣብ ሽወደን ኣብ ስቱር ቦታ ን ወተሃደራት ዩክሬይን ስልጠና ይህብ ምህላዉ ዝሓለፈ ሓሙስ ተገሊጹ እዩ። መንግስቲ ሽወደን 50 ድሩዓት መካይን CV90 ናብ ዩክሬይን …

Read More »

ኣብ ስቶክሆልም ብዝተኻየደ ተዂሲ ክልተ ሰባት ተቐቲሎም።

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ኣብ ፋርሽታ–ስቶክሆልም–ድሕሪ ዝተኻየደ ናይ ጥይትን ስሕለትን መጥቃዕቲታት ሰባት ምሟታምን ምቚሳሎምን ተገሊጹ። በዚ መጥቃዕቲ፥ ወዲ 15 ዓመት ኮተቴን 45 ዝዕድሜኡ ሰብኣይን ምሟቶም፥ ክልተ ካልኦት ከኣ ምቚሳሎም ተፈሊጡ። እዚ ኣብ ፋርስታ ዝተፈጸመ ተዂሲ፥ ምስቶም ኣብ ኤስኪልስቱና፡ ሶልና፡ ዮርድብሮን ኣፕላንድስ ቫስቢን ኣብዚ ቀዳመ-ሰንበት ምስ ዝተፈጸሙ መጥቃዕቲታት ርክብ ኣለዎም ድዩ የብሉን ንምድምዳም ግዜኡ ኣይኣኸለን ክትብል ኣፈኛ ፖሊስ ሽወደን ሄለና ቦስትሮም ቶማስ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com