Sunday , May 12 2024

ዜና

ሽወደን ኣብ ፍርቂ ፍጻመ ዋንጫ ዓለም ብስፔይን ተረቲዓ።

ሽወደን ድሕሪ 20 ዓመታት፥ ናብ ግጥም ዋንጫ ዓለም ኩዕሶ እግሪ ደቀንስትዮ ክትበጽሕ ዝነበራ ሕልሚ ትማሊ ሰሉስ በርዒኑ ተሪፉ። ትማል ሰሉስ ሽወደን ምስ ስፔይን ኣብ ዝገበረቶ ግጥም ፍርቂ ፍጻመ፥ 2 ብ 1 ተረቲዓ’ላ። ስፔይን ቅድሚ ምውዳእ ጸወታ ሓንቲ ሸቶ እኳ እንተመዝገበት፡ ሽወደን ድንጉይ ኢላ ማዕረ ዝገበረታ ሸቶ ብምእታው ናብ ጸወታ ክትምለስ ክኢላ’ያ። እንተኾነ ግና ነዊሕ ከይጸንሐት ሃገራዊት ጋንታ ደቀንስትዮ ስፔይን ነታ …

Read More »

ስቶክሆልም፡ ጥቓ ህንጻ ባይቶ ሓደ ሬሳ እናተንሳፈፈ ተረኺቡ።

ፖሊስ ስቶክሆልም ነቲ ኣብ ማእከል ከተማ ስቶክሆልም ጥቓ ህንጻ ባይቶ ዝተረኽበ ሬሳ ኣመልኪቶም መርመራ የካይዱ’ለዉ። ጥቓ ህንጻ ባይቶ ኣብ ዝርከብ ማይ ዘንሳፍፍ ኣካላት ሰብ ድሕሪ ምርኣዮም፥ ትማሊ ሰኑይ ሰዓት 9.30 ቅድሚ ቀትሪ ፥ መሰኻኽር ዓይኒ ናብ ኣገልግሎት ህጹጽ ረድኤት ጻውዒት ምግባሮም ህዝባዊት ሬድዮ ፒ 4 ስቶክሆልም ጸብጺባ። ኣፈኛ ፕረስ ፖሊስ ስቶክሆልም ንጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ታብሎይድ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “መዋቲ ሰብኣይ እዩ” …

Read More »

ሳፖ፡ “ደረጃ ስግኣት ግብረሽበራ ሽወደን ካብ 5 ነጥቢ ኣብ 3 ይርከብ”

ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ናብ ሽወደን ንዝገሹ ዜጋታቱ ኣመልኪቱ ዝጸንሐ ናይ ጒዕዞ ምኽሪ እኳ እንተቐየሮ፡ ኣገልግሎት ስለያን ጸጥታን ሽወደን (Säpo) ግና፡ እቲ ሃገራዊ ስግኣት መጥቃዕቲ ግብረሽበራ ካብ ሓሙሽተ ደርጃ ኣብ ሰለስተ ኮይኑ ይቕጽል ምህላዉ፥ እዚ ድማ ካብቲ ዝነበሮ ይወስኽ እምበር "ልዑል" ዝበሃል ከም ዘይኮነ ኣስሚሩሉ። ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ሽወደን ድሕሪ ዝተኻየደ ምቅጻል …

Read More »

ተቓወምቲ ሰልፍታት ሽወደን፡ ን ኣቦ መንበር ኮሚተ ፍትሒ ባይቶ–ሪቻርድ ጆምሾፍ– ይኸሳ።

ኣርባዕተ ተቓወምቲ ሰልፍታት ሽወደን፡ ን ኣባል ሰልፊ ዴሞክራትና ከምኡ’ውን ኣቦ መንበር ኮሚተ ፍትሒ ባይቶ ሽወደን ሪቻርድ ጆምሾፍ ብዝምልከት ድምጺ ክወሃበን ጠለብ ከቕርባ እየን። ሰልፊታት ማሕበራዊ ዴሞክራሲ፡ ጸጋማይ፡ ሓምላይን ማእከልን፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ሪቻርድ ጆምሾፍ ኣብ ወቕቲ ዊንተር ዝተኻየደ ምቅጻል ቁርኣን ኣመልኪቱ ዝሃቦ ርእይቶታት፡ ንሽወደን ሃስያ ዘውርድ እዩ ብምባል እየን እዚ ናይ ድምጺ ጠለብ ዘቕርባ ዘለዉ። እተን ውድባት፡ ጆምሾፍ ኣቦ መንበር …

Read More »

“ሰባት ምስ AI ዝህልዎም ዝምድና ብ መሰረታዊ ስነ-ኣእምሮኣዊ ድሌታት ዝጽሎ እዩ”–ሓደ መርመራ።

ውልቀሰባት ምስ ቴክኖሎጂ ብፍላይ ድማ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ (AI) ዘማዕብልዎ ርክብ ብ መሰረታዊ ስነ-ኣእምሮኣዊ ድሌታት ኣዝዩ ከም ዝጽሎ ተፈሊጡ። ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ፊንላንድ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ታምፐረ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ሓደ ሰብ ቴክኖሎጂ ኣብ ዝጥቀመሉ እዋን ዝህልዎ ናጽነት፡ ብቕዓትን ዋንነት ናይ ምስትምቓር ብቕዓቱን፡ ኣብ ልዕሊ AI ዘለዎ ኣረኣእያ ኣብ ምቕራጽ ልዑል ተራ ኣለዎ። ሰባት ኣብ ቴክኖሎጂ ዘለዎም ኣረኣእያ ንምድህሳስ …

Read More »

ፖሊስ ስርቂ ጂፒኤስ ንምጥፋእ ይጽዕሩ።

ስርቂ ኣብ ሕርሻዊ ስርሓት ዘገልግሉ ክቡራት መሳርሒታት ጂፒኤስ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ጸገም ምዃኑ፥ ፖሊስ ገሊጾም። በዚ ድማ፥ ፖሊስ ዋህዮታት እዞም ገበነኛታት ጉጅለታት ንምስባር ኣብ ዶብ ዞባታት ዘሎ ሓባራዊ ወፍሪ ኣብ ልዕሊ ምድልዳል፡ ምስ ፈደረሽን ሓረስቶት ሽወደን ብሓባር ኣብ ምስራሕ ይርከቡ’ለዉ። ኣብዚ ዓመት ዛጊት 123 ስርቂ መሳርሒታት ጂፒኤስ ከም እተፈጸመ ስታቲስቲክስ ፖሊስ የመልክት።  

Read More »

ሽወደን ኣብ ርብዒ ፍጻመ ግጥም ዋንጫ ዓለም ንጃፓን 2 ብ 1 ረቲዓታ።

ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ኒውዚላንድ ኣብ ዝተኻየደ ግጥም ኲዕሶ እግሪ ደቀንስትዮ፥ ሽወደን ን ጃፓን 2 ብ 1 ስዒራ ናብ ፍርቂ ፍጻመ ሓሊፋ’ላ። በዚ ድማ፥ ኣብ ዝመጽእ ጸወታ ሽወደን ምስ ስፔይን ክትገጥም ኢያ። እዚ ጸወታ ብኣቆጻጽራ ሽወደን ሰዓት 9.30 ቀዳም ንግሆ እኳ እንተ ተጀመረ፡ ኣዝዮም ብዙሓት ደገፍቲ ሽወደን ኣብ ማእከላይ ስቶክሆልም ኣብ ሞሰባ ከተራሰን ኣብ ክፉት ኣየር ኣብ ዝርከብ ባር፥ ነቲ ጸወታ …

Read More »

News Magazine ዜና መጽሄት -11-08-2023

https://youtu.be/k-lJ9CQwhXw

Read More »

ጀርመናዊ በዓል ስልጣን ንሩስያ ሚስጥራዊ ሓበሬታ ብምትሕልላፍ ተኸሲሱ።

ካብ ጀርመን ናብ ሩስያ ሚስጢራዊ ሓበሬታ ብምትሕልላፍ ዝተኸሰሰ በዓል ስልጣን መንግስቲ፥ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ። እቲ ሰብኣይ፥ ሕጊ “ዕቃበ ብሕታዊነት” ጀርመን ንዘይምጥሓስ፥ ንግዜኡ “ቶማስ ኤች” ተባሂሉ ተሰይሙ’ሎ። ተኸሳሲ፥ ወተሃደራዊ መሳርሕታትን ቴክኖሎጂ-ሓበሬታን ኣብ ዝምልከቱ ጒዳያት ኣብ ዝነጥፍ ቤት ጽሕፈት እዩ ዝሰርሕ ነይሩ። ብናይ ገዛእ ርእሱ ተበግሶ ናብቲ ኣብ በርሊን ዝርከብ ኤምባሲ ሩስያ፡ ጸኒሑ ድማ ኣብ ከተማ ቦን ናብ ዝርከብ ቆንስልን ብምኻድ፥ ስለያዊ …

Read More »

ዕለታዊ ዜና ካብ ሃርሞኒ 11-08-2023

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com