Wednesday , May 8 2024
Credit: Pontus Lundahl/TT

ሽወደን ኣብ ፍርቂ ፍጻመ ዋንጫ ዓለም ብስፔይን ተረቲዓ።

ሽወደን ድሕሪ 20 ዓመታት፥ ናብ ግጥም ዋንጫ ዓለም ኩዕሶ እግሪ ደቀንስትዮ ክትበጽሕ ዝነበራ ሕልሚ ትማሊ ሰሉስ በርዒኑ
ተሪፉ። ትማል ሰሉስ ሽወደን ምስ ስፔይን ኣብ ዝገበረቶ ግጥም ፍርቂ ፍጻመ፥ 2 ብ 1 ተረቲዓ’ላ። ስፔይን ቅድሚ ምውዳእ ጸወታ
ሓንቲ ሸቶ እኳ እንተመዝገበት፡ ሽወደን ድንጉይ ኢላ ማዕረ ዝገበረታ ሸቶ ብምእታው ናብ ጸወታ ክትምለስ ክኢላ’ያ። እንተኾነ ግና
ነዊሕ ከይጸንሐት ሃገራዊት ጋንታ ደቀንስትዮ ስፔይን ነታ ወሳኒት ካልአይቲ ሸቶ ብምምዝጋብ፥ ነቲ ጸወታ ብዓወት ዛዚማቶ’ላ።
ኣብዚ ጸወታ ብ ወገን ሽወደን ናብ ዋንጫ ንምብጻሕ ዓብዪ ወኒን ህንጥዩነትን ከም ዘነበረ ዝገለጸ ጋዜጠኛ ሰደቓ ስፖርት ሬድዮ
ሽወደን ዊልያም ዋልደቶፍት "ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ክፍሊ መልበሲ ጋንታ ደቀንስትዮ ብዝሕ ብስጭት ምህላዉ ንምግማት
ኣየሸግርን" ክብል ወሲኹ ን ሬድዮ ሽወደን ሕቢሩ።

 

 

Credit: Pontus Lundahl/TT

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com