Thursday , May 9 2024

ዜና

ልዕሊ 75% ሕቶ ቪዛ ኢራናውያን ተነጺጉ

ን ድሕረ-ለነዳ ኮሮና ስዒቡ ብዝተኸትስተ ምውሳኽ ኣህጉራዊ መገሻታት፡ ቊጽሪ ናይቶም ናብ ሽወደን ንምብጻሕ ዘመልክቱ በጻሕቲ ቊጽሮም ምውሳኹ ተገሊጹ። ዝበዝሑ ካብዞም በጻሕቲ ካብ ሃገራት ህንድን ቻይናን እዮም። ይዂንምበር ኲሎ ሓተትቲ ቪዛ እዚ ሕቶኦም ይሰልጥ ዘይምህላዉ፥ ካብ ገለ ሃገራት ዝመጹ በጻሕቲ ኸኣ ዕንቅፋታት የጋጥሞም ምህላዉ ይግለጽ ኣሎ። ዜጋታት ኢራንን ሶርያን ብፍላይ ተጠቀስቲ እዮም። ኣብዛ ዝሓለፈት ዓመት ዜግነት ናይ ዝተኸልኡ ዜጋታት ሶርያ ካብ …

Read More »

ኣብዚ ሓድሽ ዓመት፡ ሓደስቲ ሕግታት ክተኣታተዉ እዮም

ካብ ሎሚ ሓድሽ ዓመት ባሕቲ ጥሪ 2024 ጥሪ ኣትሒዙ ሓያሎ ሓደስቲ ሕግታትን ምምሕያሻትን ኣብ ግብሪ ክውዕሉ እዮም ተባሂሉ፡፡ ገለ ካብዚኦም ዱካናት ዝጥቀማሉ ናይ ፕላስቲክ መትሓዚ ኣመልኪቱ ዝወጸ ተመን ግብሪ ካብ 3 ክሮና ናብ ፍርቂ ክሮና ክጎድል ብኡኡ ኣቢሉ ድማ እቲ ግብሪ ኣብ ዝመጽእ ሕዳር ጠቒሊሉ ክውገድ ዝብሉ እዮም። ሽወደናውያን ኣብ ኣጣቕማ ናይ ፕላስቲክ መትሓዚ ውሕሉላት ብምዃኖም እዚ ዝትግበር ዘሎ ሕጊ …

Read More »

ኣብዚ ዓመት ልዑል ቊጽሪ ሕቶ ዜግነት ተነጺጉ

ኣብታ ዝተሰናበትናያ ዓመተ 2023 ቊጽሪ ናይቶም ምስ ጸጥታ ብዝተሓሓዝ ምኽንያት ዜግነት ንምቕባል ዘእተዉዎ ሕቶ ዝተነጽገ ሰባት ክብረ ወሰን ዝሓዘ ምንባሩ ተገሊጹ። ኣመልከትቲ ዜግነት ንጸጥታን ድሕነትን ሽወደን ስግኣት ዝፈጥሩ እንተኾይኖም ዝምርምር ኣገልግሎት ጸጥታን ድሕነትን ሽወደን ሳፖ እዩ ። ገበን ናይ ምፍጻም ውጥን ወይ ነዚ ንምግባር ተኽእሎ ኣለዎ ተባሂሉ ብ ሳፖ ዝተገምገመ ሰብ ዜግነት ናይ ምርካብ ዕድሉ ዕጹው ይኸውን ኣሎ። ሓደ ካብዞም …

Read More »

ርሑስ ሓድሽ ዓመት 2024

Read More »

መሃንድስ ዘመናዊ ሕብረት ኤውሮጳ ጃክ ደሎርስ ኣብ መበል 98 ዓመቱ ዓሪፉ

ሃንዳሲ ዘመናዊ ሕብረት ኤውሮጳ ተባሂሉ ዝፍለጥ ፕረዚደንት ኮሚሽን ኤውሮጳ ነበር ጃክ ደሎርስ – – ኣብ መበል 98 ዓመቱ ከምዝዓረፈ ጓሉ ገሊጻ። ንሱ ኣብ ውሽጢ ቀጽሪ ኣህጒር ኣውሮጳ ዝርከቡ ሰባት፣ ኣቑሑትን ኣገልግሎታትን ናጻ ምንቅስቓስ ዘፍቅድ ዕዳጋን ንምፍጣር ዓብዪ ኣበርክቶ ፈጺሙ እዩ። ካብ 1985 ክሳብ 1995 ዘገልገለ ደሎርስ ንሓደ ባጤራ ኤውሮጳ ዝኾነ ዩሮ እውን መሰረት ምንባሩ እዩ ዝግለጽ። ደሎሩስ ነቶም ብፍላይ ኣብ …

Read More »

ገበናት ምትላል እናወሰኸ ይኸይድ፥ ስንኩላንን ኣረጋውያን ዝያዳ ግዳያት ይኾኑ’ለዉ

ምስ ዝሓለፈ ዓመት ብምዝማድ ኣብ 2023፡ ገበናት ምትላልን ዓሎቕን ከምዝወሰኸ ፖሊስ ገሊጾም። ብ ቴሌፎንን ፍቕራዊ ዝምድናን ዝኣመሰሉ ማሕበራዊ ምትእስሳራት ዝፍጸም ዓሎቕ ንኣብነት እቲ ዝያዳ ዝወሰኸ ዓይነት ምትላል እዩ ክብሉ ፖሊስ ወሲኾም ገሊጾም ኣለዉ። እዞም ፈጸምቲ ዓሎቕ ኣዝዮም ዝተራቐቑ ኣብ ልዕሊ ምዃኖም ንነብሶም ናብቲ ዕላማ ዝገበርዎ ሰብ ዘቕርቡሉ ኣገባብን ርእሰ ተኣማምነትን ብቐሊሉ ክትኣምኖምን ዝገብር እዩ ትብል 500 ክሮና በዚ ኣገባ ብዝኸሰረት …

Read More »

ወጻእተኛታት ፋርማሲስት ንጠለብ ሽወደን የደንፍዑ

ሽወደን እኹል ቊጽሪ ብቑዓት ፋርማሲስት ዘይብላ ብምዃና፡ ኣብያተ መሸጣ መድሃኒት እታ ሃገር ኣብ ወጻእተኛታት ሰራሕተኛታት ዘለወን ተሞርካስነት እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ። ኣብ ሽወደን ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ዝተመዝገቡ ሰለስተ ኣብያተ መሸጣ መድሃኒት ዳርጋ ሓደ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ወጻኢ ዲግሪ ስነመድሃኒት ዝረኸበ እዩ። ኣብ ሽወደን ዝመጹ ሓደስቲ ወጻእተኛታት ፋርማሲስት ኣብ ምሕጋዝ ኣብ ዝዋፈር ፕሮጀክት እትሰርሕ ካታሌና ለንሶን “እዞም ወጻእተኛታት ፋርማሲስትስ ን ጠለብ …

Read More »

ሲሶ ካብ ድማሙ ሽወደን ብሕጊ ተመዝጊበን

ወነንቲ ደማሙ ንእንስሳ ዘቤቶም ክምዝግቡ ግዴታ ካብ ዝወጽእ ድሕሪ ሓደ ዓመት፡ ብግምት ሲሶ ካብ ደማሙ ሽወደን ኣብቲ መዝገብ እቱዋት ኮይነን ኣለዋ። ኣብ ሽወደን ካብ ዝርከባ ኣስታት 1.4 ሚልዮን ደማሙ ሕጂ እተን 440 000 ብሕጊ ተመዝጊበን ኣለዋ። ሓንቲ ካብዞም ደማሙኦም ካብ ዘመዝገቡ ዜጋታት ኢዳይን ኡፕሳላ “ድሙኣ ክተመዝግብ ዝወሰነት ብገለ ምኽንያት ምስ እትጠፍእ ናብኣ ክትምለስ” ብምባል ምዃኑ እያ ትገልጽ። እቲ ዕላማ ደረጃ …

Read More »

ሕሳብ ባንክ ምውጻእ ክትክልከል “ካብ ሰብ ንታሕቲ ዝወረድካ ኮይኑ ዩ ዝስምዓካ።

ቤት ጽሕፈት ባንክን ፋይናንስን ኣህለኽቲ ሽወደን፡ ኣብ ሽወደን ሕሳብ ባንክ ክንከፍት ኣይተፈቕደልናን፡ ወይ ድማ ሕሳብና ተዓጽዩ ናይ ዝብሉ ሰባት ጥርዓን ይቕበል ከምዘሎ ገሊጹ። ሄለን ድራፐር በዓል ቤታ ኣብ ሽወደን ስራሕ ምስ ረኸበ ናብቲ ሃገር ከም ዝገዓዘትን፡ ብሰንኪ ስራሕ ዘይብላ ምዃና ኸኣ፡ ሕሳብ ባንክ ንምኽፋት ንዓመታት ዘቕረበቶ ሕቶ ብቐጻሊ ከም ዝተነጽገ ትዛረብ። ኣብ ከምዚ ኲነታት ክትህሉ ጽቡቕ ኣይኮነን። ከምዚ ካብ ሰብ …

Read More »

ኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ ቱርኪ ንሕቶ ኣባልነት ሽወደን ናብ ኔቶ ኣጽዲቑዋ፡፡ ድሕርዚኸ?

ኣብ ባይቶ ቱርክ እትርከብ ኮሚተ ድሕሪ ዝገበረቶ ውሳነ፥ ሽወደን ኣብ መስርሕ ምጽንባር ኔቶ ዝጸንሓ ሓደ ዕንቅፋት ምእላያ ተገሊጹ። ሽወደን ናብ ኔቶ ንምጽንባር ዘካየደቶ ጻዕሪ ሃንጋሪን ቱርክን ካብ ምጽዳቕ ብምቚጣበን ንኣዋርሕ ተንሳፊፉ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ ፕረዚደንት ቱርክ ረሲፕ ጣይብ ኤርዶጋን ነቲ ሕቶ ምስቲ ኣንካራ ካብ መሓዛኣ ኣሜሪካ ኤፍ-16 ነፈርቲ ውግእ ክትረክብ ዘቕረበቶ ሕቶ ድሕሪ ምትእስሳሩ ዝያዳ ምትሕልላኹ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com