Wednesday , May 8 2024

መሃንድስ ዘመናዊ ሕብረት ኤውሮጳ ጃክ ደሎርስ ኣብ መበል 98 ዓመቱ ዓሪፉ

ሃንዳሲ ዘመናዊ ሕብረት ኤውሮጳ ተባሂሉ ዝፍለጥ ፕረዚደንት ኮሚሽን ኤውሮጳ ነበር ጃክ ደሎርስ – – ኣብ መበል 98 ዓመቱ ከምዝዓረፈ ጓሉ ገሊጻ። ንሱ ኣብ ውሽጢ ቀጽሪ ኣህጒር ኣውሮጳ ዝርከቡ ሰባት፣ ኣቑሑትን ኣገልግሎታትን ናጻ ምንቅስቓስ ዘፍቅድ ዕዳጋን ንምፍጣር ዓብዪ ኣበርክቶ ፈጺሙ እዩ። ካብ 1985 ክሳብ 1995 ዘገልገለ ደሎርስ ንሓደ ባጤራ ኤውሮጳ ዝኾነ ዩሮ እውን መሰረት ምንባሩ እዩ ዝግለጽ።
ደሎሩስ ነቶም ብፍላይ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ብዛዕባ ረብሓ ውህደት ዝጠራጠሩ ሰባት ከም ምልክት ዝየድሊ ምትእትታው ብራስለስ እዩ ዝረአ ነይሩ። ጓል ደሎርስ ማርቲን ኦብሪ፡ ትማሊ ረቡዕ ንግሆ ኣብ ፓሪስ ኣብ ዝርከብ ገዝኡ ኣብ ድቃስ እናሃለወ ከምዝሞተ ገሊጻ’ላ። ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን፡ ነቲ ካብ 1981-84 ሚኒስተር ፋይናንስ ፈረንሳ ኮይኑ ውን ዘገልገለ ደሎርስ ደኺመ ዘይብል ሃንዳሲ ኤውሮጳና እዩ ኔሩ፡ ተወፋይነቱን ክልሰ ሓሳባቱን ንብዙሓት ኣነቓቒሑ እዩ። ንስርሑ ዓብዪ ክብሪ ኣሎኒ፥ ንፈተውቱ ኸኣ ጽንዓት እምነ  ክብል ንደሎሩስ ዘሎዎ ናእዳ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com