Saturday , May 11 2024

ወጻእተኛታት ፋርማሲስት ንጠለብ ሽወደን የደንፍዑ

Credit: Petra Haupt

ሽወደን እኹል ቊጽሪ ብቑዓት ፋርማሲስት ዘይብላ ብምዃና፡ ኣብያተ መሸጣ መድሃኒት እታ ሃገር ኣብ ወጻእተኛታት ሰራሕተኛታት ዘለወን ተሞርካስነት እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ። ኣብ ሽወደን ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ዝተመዝገቡ ሰለስተ ኣብያተ መሸጣ መድሃኒት ዳርጋ ሓደ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ወጻኢ ዲግሪ ስነመድሃኒት ዝረኸበ እዩ። ኣብ ሽወደን ዝመጹ ሓደስቲ ወጻእተኛታት ፋርማሲስት ኣብ ምሕጋዝ ኣብ ዝዋፈር ፕሮጀክት እትሰርሕ ካታሌና ለንሶን “እዞም ወጻእተኛታት ፋርማሲስትስ ን ጠለብ ኣገልግሎት መድሃኒት ሽወደን ዓብዪ መትኒ ኮይኖም ምህላዎም እያ ትገልጽ። እዚ ፕሮጀክት ግብራዊን ክልሰሓሳባውን መርመራ ብምግባር ነዞም ፋርማሲስትስ ናብ ስራሕ ክዋፈሩ ክሕግዝ ጸኒሑ’ሎ። “ኣብ ፋርማሲታት ዝሰርሑ ብዙሓት ወጻእተኛታት ከምዘለዉ ርኡይ እዩ” ይብል ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ሕጋዊ መዝገብ ፍቓድ ስራሕ ዝረኸበት ሶርያዊት ባናን ኣልዳቢየክ። ንሳ ናብ ሽወደን ኣብ 201 ዝመጸት ኮይና ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ደቡብ ሽወደን ሄልሲንቦርግ ኣብ ዝርከብ ትካል መድሃኒት ትሰርሕ ኣላ። ብተመሳሳሊ ዜና ካብ 27 ሆስፒታላት ሽወደን እተን ኣርባዕተ ጥራይ ሕጽረት ሰራሕተኛታት ንምፍታሕ ግቡእ ስጉምትታት ወሲደን ንህላወን ተፈሊጡ። ነዚ ዝገለጸ በዓልመዚ ምቊጽጻር ጥዕናን ማሕበራዊ ክንክንን IVO ኮይኑ፥ ንሓደ ዓመት ድሕሪ ዝገበሮ ገምጋም ኣብዚ መደምደምታ ምብጽሑ ኣብሪሁ’ሎ። “እዚ ጠቕላላ ዕንወት እዩ” ትብል ተገልጋሊት ሊልዊ ፎክ። ንሳ ብሕማም ልቢ ዝሳቐ በዓልቤት ዘለዋ ኮይና ኣብ ስኮቭደ ኣብ ዝርከብ ክፍሊ ህጹጽ ረድኤት ብሰንኪ ትጽቢት ብሕጽረት ትንፋስ ኣፋፌት ሞት በጺሑ ምንባሩ ትዝክር። ብዙሓት ሆስፒታላት ብሰንኪ ሕጽረት ዓቕሚ ሰብ ን ሕሙማት ኣብ ሓደጋ ኣብ ዘእቱ ደረጃ ምብጽሐን ሬድዮ ሽወደን ነቲ ትካል ብምጥቃስ ጸብጺባ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com