Sunday , April 28 2024

ኣብዚ ሓድሽ ዓመት፡ ሓደስቲ ሕግታት ክተኣታተዉ እዮም

Credit: Berit Roald/NTB/TT, Fredrik Sandberg/TT, Henrik Montgomery/TT

ካብ ሎሚ ሓድሽ ዓመት ባሕቲ ጥሪ 2024 ጥሪ ኣትሒዙ ሓያሎ ሓደስቲ ሕግታትን ምምሕያሻትን ኣብ ግብሪ ክውዕሉ እዮም ተባሂሉ፡፡ ገለ ካብዚኦም ዱካናት ዝጥቀማሉ ናይ ፕላስቲክ መትሓዚ ኣመልኪቱ ዝወጸ ተመን ግብሪ ካብ 3 ክሮና ናብ ፍርቂ ክሮና ክጎድል ብኡኡ ኣቢሉ ድማ እቲ ግብሪ ኣብ ዝመጽእ ሕዳር ጠቒሊሉ ክውገድ ዝብሉ እዮም። ሽወደናውያን ኣብ ኣጣቕማ ናይ ፕላስቲክ መትሓዚ ውሕሉላት ብምዃኖም እዚ ዝትግበር ዘሎ ሕጊ ጽቡቕ እዩ ክብል ተቐማጣይ ስቶክሆልም ኒልስ ቫልተን ይሰማማዕ። ቻንድራሃስ ሬዲ ግና ካብዚ ዝተፈልየ ርእይቶ እዩ ዘለዎ። ንሱ እዚ ምጒዳል ግብሪ ናብ ግጒይ ኣንፈት ዝወስድ ግጒይ ስጒምቲ ኮይኑ እዩ ዝስምዓኒ ድማ ይብል። ብሽወደንኛ “ኩምስፕሊክት” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሕጊ ምንካይ ፈነወ በካሊ ጋዝ እውን ካብዞም ኣብዚ ምምሕያሽ እቱዋት ኮይኖም ዘለዎ ኣዘራረብቲ ጒዳያት ሓደ እዩ። ብተመሳሳሊ ንሰብመዚ ሓለዋ ጸጥታ ዝያዳ ስልጣን ምሃብ፡ ከምኡ’ውን ብጒጅለታት ገበን ንዝፍጸም ወንጀል ዝኸበደ መቕጻዕቲ ምሃብን ተጠቒሶም ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com