Sunday , May 12 2024

ኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ ቱርኪ ንሕቶ ኣባልነት ሽወደን ናብ ኔቶ ኣጽዲቑዋ፡፡ ድሕርዚኸ?

ኣብ ባይቶ ቱርክ እትርከብ ኮሚተ ድሕሪ ዝገበረቶ ውሳነ፥ ሽወደን ኣብ መስርሕ ምጽንባር ኔቶ ዝጸንሓ ሓደ ዕንቅፋት ምእላያ ተገሊጹ። ሽወደን ናብ ኔቶ ንምጽንባር ዘካየደቶ ጻዕሪ ሃንጋሪን ቱርክን ካብ ምጽዳቕ ብምቚጣበን ንኣዋርሕ ተንሳፊፉ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ ፕረዚደንት ቱርክ ረሲፕ ጣይብ ኤርዶጋን ነቲ ሕቶ ምስቲ ኣንካራ ካብ መሓዛኣ ኣሜሪካ ኤፍ-16 ነፈርቲ ውግእ ክትረክብ ዘቕረበቶ ሕቶ ድሕሪ ምትእስሳሩ ዝያዳ ምትሕልላኹ ዝፍለጥ እዩ። ሽወደንን ፊንላንድን ንዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ ወተሃደራዊ ዘይሻራነት ጠንጢነን፡ ሩስያ ኣብ ለካቲት 2022 ንዩክሬን ድሕሪ ምውራራ፡ ናብቲ ብኣመሪካ ዝምራሕ ናይ ምክልኻል ትካል ክጽንበራ ወሲነን እየን። እቲ ሕቶ ኣባልነት ብዘይካ ቱርኪን ሃንጋሪን ካብ ኩለን ኣባላት ኔቶ ቅልጡፍ ፍቓድ ረኺቡ እዩ። እኝተኾነ ግና ኣብቲ ወተሃደራዊ ኪዳን ዝብጻሕ ውሳነታት ብሙሉእ ድምጺ ክኸውን ስለዘለዎ ሽወደን ክሳብ ሕጂ ኣባልነት ኔቶ ኣይረኸበትን። መወዳእታኡ ግና ፊንላንድ ኣብ ዝሓለፈ ሚያዝያ መበል 31 ኣባል ኔቶ ኮይና ተቐባልነት ረኺባ እያ። ቱርክን ሃንጋሪን ሽወደን ሕቶ ኣባልነ ትድሕሪ ምእታዋ ን 19 ኣዋርሕ ዘየጽደቓ እንኮ ኣባላት ውድብ ውዕል ሰሜን ኣትላንቲክ ኮይነን ይቕጽላ ኣለዋ። ይዂንምበር ዝሓለፈ ሰሉስ ኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ ፓርላማ ቱርኪ ነቲ ስጉምቲ ኣጽዲቑዎ’ሎ። ኣባል ኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ ተቓዋሚ ሰልፊ ሲኤችፒ ኡትኩ ካኪሮዘር ድሕሪ እቲ ድምጺ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ሽወደን ናብ ኔቶ ምጽንባር ዘድሊ ፕሮቶኮል ነቲ ኮሚቴ ኣሕሊፍዎ ኢሉ። እዚ ስጉምቲ፡ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ኤርዶጋን ምሉእ ድምጺ ባይቶ ንኽወሃቦ መንገዲ ዝጸርግ እዩ። እዚ መኣስ ከም ዝኸውን ግና ዛጊት ንጹር ኣይነበረን። ሓላፊ ኔቶ ጀንስ ስቶልተንበርግ ነቲ ናይ ኮሚቴ ባይቶ ድምጺ ብምንኣድ፡ ቱርኪን ሃንጋሪን ብዝተኻእለ መጠን ምጽዳቐን ክዛዝማ ትጽቢት ከም ዘለዎ ገሊጹ’ሎ። ንሱ ኣባልነት ሽወደን ንኔቶ ዝያዳ ክሕይልዩ ክብል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ። ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ሽወደ ንቶብያስ ቢልስትሮም ንፈነወ ህዝባዊ ተለቪዥን ሽወደን SVT Nyheter ኣብ ዝሃቦ መግለጺ “ኣባል ኔቶ ክንከውን ብሃንቀውታ ንጽበ ኣሎና” ኢሉ። ኤርዶጋን ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣብ ልዕሊ ኣባልነት ሽወደን ኣብ ኔቶ ዝነበሮ ተቓውሞ ዘልዓለ፡ ስቶክሆልም ኣንካራ ኣሸበርቲ ኢላ ንእትጽውዖም ኩርዳውያን ጉጅለታት ድሕሪ ምዕፋኑ ምሟኑ ወሲኹ ኣብሪሁ’ሎ። መሓዙት ሽወደን ዝኾና ሃገራት ኔቶ ኣብ ልዕሊ ቱርኪ ጸቕጢ ኣካይዶም እዮም። ብፍላይ ድማ ፈረንሳ ተኣማንነት ናይቲ ኪዳን ኣብ ሓደጋ ከምዘሎ ብምግላጽ ኣጽንኦት ሂባ እያ። ኣብዚ ወርሒ ታሕሳስ፡ ኤርዶጋን ኣባልነት ሽወደን ምስቲ ብሓንሳብ ኮንግረስ ኣሜሪካ ንቱርክ እትገብሮ መሸጣ ነፈርቲ ኲናት ኤፍ-16 ኣተሓሒዙዎ ነይሩ እዩ። ብተወሳኺ ን ካናዳ ሓዊሱ ካልኦት መሓዙት ሃገራት ኔቶ ኣብ ልዕሊ ኣንካራ ዝንበራኦ እገዳ ኣጽዋር ከልዕላ ኣለወን ምባሉ ማዕከን ዜና “ዘ ሎካል” ወሲኻ ጸብጺባ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com