Sunday , April 28 2024

ልዕሊ 75% ሕቶ ቪዛ ኢራናውያን ተነጺጉ

Credit: Gustav Sjöholm

ን ድሕረ-ለነዳ ኮሮና ስዒቡ ብዝተኸትስተ ምውሳኽ ኣህጉራዊ መገሻታት፡ ቊጽሪ ናይቶም ናብ ሽወደን ንምብጻሕ ዘመልክቱ በጻሕቲ ቊጽሮም ምውሳኹ ተገሊጹ። ዝበዝሑ ካብዞም በጻሕቲ ካብ ሃገራት ህንድን ቻይናን እዮም። ይዂንምበር ኲሎ ሓተትቲ ቪዛ እዚ ሕቶኦም ይሰልጥ ዘይምህላዉ፥ ካብ ገለ ሃገራት ዝመጹ በጻሕቲ ኸኣ ዕንቅፋታት የጋጥሞም ምህላዉ ይግለጽ ኣሎ። ዜጋታት ኢራንን ሶርያን ብፍላይ ተጠቀስቲ እዮም። ኣብዛ ዝሓለፈት ዓመት ዜግነት ናይ ዝተኸልኡ ዜጋታት ሶርያ ካብ 37% ናብ 57% ወሲኹ’ሎ። እቶም ዝበዝሑ ሕቶ ቪዛ ዝተነጽጒ ግና ኢራናውያን እዮም። ልዕሊ 77% ማለት ካብ ኣርባዕተ ዜጋታት ኢራን እቶም ሰለስተ ቪዛ ኣይተዋህቡን። ምኽንያት ናይዚ ኣብያ ኣብ ሃገራት ኢራንን ሶርያን ዘሎ ቊጠባዊ ኲነታት ኣብ ግምት ዘእተወ ኮይኑ፡ እዞም ሰባት ዕቚባ ከይሓቱ ንምዕጋት ምዃኑ ኣፈኛ ኤጀንሲ ስደተኛታት ረበካ ፓውልሰን ትገልጽ። በዚ ድማ እቶም ኣብ ዓዶም እኹል ቚጠባዊ ትሕዝቶ ከም ዘለዎም መርትዖ ዘቕርቡ እቶም ካልኦት ቪዛ ከይወሃቡ ተጌሩ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com