Sunday , April 28 2024

ገበናት ምትላል እናወሰኸ ይኸይድ፥ ስንኩላንን ኣረጋውያን ዝያዳ ግዳያት ይኾኑ’ለዉ

Credit: Caisa Rasmussen

ምስ ዝሓለፈ ዓመት ብምዝማድ ኣብ 2023፡ ገበናት ምትላልን ዓሎቕን ከምዝወሰኸ ፖሊስ ገሊጾም። ብ ቴሌፎንን ፍቕራዊ ዝምድናን ዝኣመሰሉ ማሕበራዊ ምትእስሳራት ዝፍጸም ዓሎቕ ንኣብነት እቲ ዝያዳ ዝወሰኸ ዓይነት ምትላል እዩ ክብሉ ፖሊስ ወሲኾም ገሊጾም ኣለዉ። እዞም ፈጸምቲ ዓሎቕ ኣዝዮም ዝተራቐቑ ኣብ ልዕሊ ምዃኖም ንነብሶም ናብቲ ዕላማ ዝገበርዎ ሰብ ዘቕርቡሉ ኣገባብን ርእሰ ተኣማምነትን ብቐሊሉ ክትኣምኖምን ዝገብር እዩ ትብል 500 ክሮና በዚ ኣገባ ብዝኸሰረት ብሪታ። ኣረጋውያንን ስንክልና ዘለዎምን ነዚ ዓይነት ምትላል ዝያዳ ተቓላዕቲ ኮይኖም፡ ብዛዕባ ነዞም ጉጅለታት ዕላማ ዝገበረ ምትላል ንፖሊስ ዝቐርብ ጸብጻባት ድማ ምስ 2022 ክነጻጸር እንከሎ ብ 14% ወሰኽ ምርኣዩ ሬድዮ ሽወደን ንስታቲስቲክስ ፖሊስ ብምጥቃስ ጸብጺባ’ላ። እዚ ናይ ዓሎቕ ገበን ክሳብ 25% ክውስኽ እዩ ዝብል ትጽቢታት ፖሊስ ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com