Sunday , May 12 2024

ሲሶ ካብ ድማሙ ሽወደን ብሕጊ ተመዝጊበን

Credit: P. Solomon Banda

ወነንቲ ደማሙ ንእንስሳ ዘቤቶም ክምዝግቡ ግዴታ ካብ ዝወጽእ ድሕሪ ሓደ ዓመት፡ ብግምት ሲሶ ካብ ደማሙ ሽወደን ኣብቲ መዝገብ እቱዋት ኮይነን ኣለዋ። ኣብ ሽወደን ካብ ዝርከባ ኣስታት 1.4 ሚልዮን ደማሙ ሕጂ እተን 440 000 ብሕጊ ተመዝጊበን ኣለዋ። ሓንቲ ካብዞም ደማሙኦም ካብ ዘመዝገቡ ዜጋታት ኢዳይን ኡፕሳላ “ድሙኣ ክተመዝግብ ዝወሰነት ብገለ ምኽንያት ምስ እትጠፍእ ናብኣ ክትምለስ” ብምባል ምዃኑ እያ ትገልጽ። እቲ ዕላማ ደረጃ መነባብሮ ዳማሙ ንምልዓል ከምኡ’ውን ዋና ኣልቦን ግዳም ሓደርን ደማሙ ንምንካይን እዩ ተባሂሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com