Sunday , May 12 2024

ሕሳብ ባንክ ምውጻእ ክትክልከል “ካብ ሰብ ንታሕቲ ዝወረድካ ኮይኑ ዩ ዝስምዓካ።

Credit: Martina Holmberg

ቤት ጽሕፈት ባንክን ፋይናንስን ኣህለኽቲ ሽወደን፡ ኣብ ሽወደን ሕሳብ ባንክ ክንከፍት ኣይተፈቕደልናን፡ ወይ ድማ ሕሳብና ተዓጽዩ ናይ ዝብሉ ሰባት ጥርዓን ይቕበል ከምዘሎ ገሊጹ። ሄለን ድራፐር በዓል ቤታ ኣብ ሽወደን ስራሕ ምስ ረኸበ ናብቲ ሃገር ከም ዝገዓዘትን፡ ብሰንኪ ስራሕ ዘይብላ ምዃና ኸኣ፡ ሕሳብ ባንክ ንምኽፋት ንዓመታት ዘቕረበቶ ሕቶ ብቐጻሊ ከም ዝተነጽገ ትዛረብ። ኣብ ከምዚ ኲነታት ክትህሉ ጽቡቕ ኣይኮነን። ከምዚ ካብ ሰብ ንታሕቲ ዝወረድካ ወይ ዘየለኻ ኮይኑ’ዩ ዝስምዓካ” ትብል። ኩሉ ኣብ ሽወደን ናይ ምንባር ሕጋዊ ፍቓድ ዝረኸበ ሰብ ሕሳብ ባንክ ናይ ምውጻእ መሰል ኣለዎ ብመሰረት ሕጊ ኣገልግሎት ክፍሊት ሽወደን። እንተኾነ ግና ባንካታት ዘይሕጋዊ ምትሕልላፍ ገንዘብ ንምዕጋት ተባሂሉ ዝወጸ ሕግታት ኣትሪረን ክስዕባ ግዴታ ኣለወን እዩ። እዚ ድማ ንድሕረ ባይታ ዓሚሎም ኣጸቢቖም ከጣልሉ ጸቕጢ ዝገብር ኣሰራርሓ እዩ። ስለዚ ድማ ሽወደናዊ ቊጽሪ ማሕበራዊ ውሕስነት ወይ ስራሕ ዘይብሎም ሰባት ሕቶኦም ኣብዘን ባንካታት ተቐባልነት ዝስእን ዘሎ። ናይ ባንክ ሕሳብ ዘይምህላው ኣብ መዓልታዊ ህይወት ሰባት ዓብዪ ሽግር ዝፈጥር እዩ ክብል ካብ ቤት ጽሕፈት ባንክን ፋይናንስን ኣህለኽቲ ሽወደን ፍረደሪክ ኖርዝቪስት ይገልጽ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com