Monday , May 20 2024

ዜና

ካብ ወጻእተኛታት ተመራመርቲ ዝተወልዱ ዕሸላት ፍቓድ መንበሪ ንምምልካት ናብ ወጻኢ ሃገራት ይኸዱ።

ኣብ ሽወደን ካብ ወጻእተኛታት ተመራመርቲ ዝተወልዱ ዕሸላት፡ ኣብታ ሃገር እንከለዉ ናይ መንበሪ ፍቓድ ክወሃቦም ስለዘይክእል፡ ወለዶም ናብ ወጻኢ ሃገራት ብምኻድ መንበሪ ክሓቱ ከም ዘለዎም ኤጀንሲ ስደተኛታት ሽወደን ሓቢሩ። ኣብ 2020 ኣብ ግብሪ ዝወዓለን ንተመራመርቲ ዝምልከትን እዚ ሓድሽ ሕጊ፥ ንኣኣቶም ተባሂሉ ዝኾነ ሕድገት ክግበር ከም ዘይፈቅድ እዩ ዝገልጽ፡፡

Read More »

መንግስቲ ሽወደን ሕጊ ኢሚግሬሽን ንምትራር ዝዓለመ ጻዕሩ ይደፍኣሉ ኣሎ።

“መንግስትን ሰልፊ ዴሞክራሲን ተሪር ሕጊ ኢሚግሬሽን ንምውጻእ ዝሓዝዎ መርገጺ ይቕጽልሉ ኣለዉ” ክብል ማቲያስ ባክስትሮም ጆሃንሰን (ካብ ሕሉፍ የማናዊ ሰልፊ ዴሞክራሲ ሽወደን)፥ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ ዋዕላ ገሊጹ። ። እዚ እማመ፥ ኣካል ናይቲ ኣብ “ውዕል ቲዶ” ዝተኸተመ ኣብ ጒዳይ ስደተኛታት "ፓራዳይም ቀያሪ" ስጒምቲ ኮይኑ፡ የማናዊ መንግስቲ ብደገፍ ዲሞክራስያውያን ስልጣን ክሕዝ ዘፍቀደ እዩ። እዚ እማመ፥ ኣብ ሽወደን ዝርከብ መጻምዲ ወይ ክጽንበሮም …

Read More »

ተመራመርቲ ጀርመን ን ምፍንጃር ኖርድ ስትሪም ኣመልኪቶም ትንተና ኣቕሪቦም።

ተመራመርቲ ጀርመን ንክስተት ምፍንጃር መትረባት ጋዝ ኖርድ ስትሪም ኣመልኪቶም ኣብ ዘካየድዎ መርመራ፡ ኣብ ሓንቲ ጃልባ ኣሰር ነታጒ ረኺቦም። እቶም ተመራመርቲ ናብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝጸሓፍዎ ደብዳበ፡ እታ ጃልባ "ነቲ ነታጒ ንምጉዕዓዝ ኣብ ኣገልግሎት ውዒላ ክትከውን ትኽእል እያ" ብምባል፡ ንምፍንጃር መትረባት ጋዝ ኖርድ ስትሪም ዝምልከት ትንተና ምሃቦም ማዕከን ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ። መስመራት ጋዝ ኖርድ ስትሪም 1ን 2ን ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ …

Read More »

ብምኽንያት ዕረፍቲ ኣብ ክንክን ጥዕና ዘሎ ጸቕጢ ይውስኽ።

ኣብ እዋን ሓጋይ ብምኽንያት ዕረፍቲ ዝኽሰት ሕጽረት ሰራሕተኛታት፡ ጽበት ቦታ፡ ተወሳኺ ሰዓት፡ ከምኡ’ውን ኣብ ክፍልታት ህጹጽ ረድኤት ዘሎ መስርዕ ሓዊሱ፥ ኣብ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ሽወደን ጸቕጢ የስዕብ ከም ዘሎ፡ ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ን ሆስፒታላት ድሕሪ ምዝርራብ ኣረጋጊጻ። ብፍላይ ድማ ብሌኪንራን ቫርምላንድን በዚ ሽግራት ኣዝየን ከም እተጠቕዓ “ማሕበር ሰብ ሞያ ጥዕና ሽወደን” ይገልጽ። ብዘይካዚ ኣብ ዞባታት ስኮና፡ ኖርቦተንን ከምኡ’ውን ኣብ …

Read More »

ልዕሊ 59 ሽሕ ተመሃሮ ዩኒቨርሲታት ሽወደን ትምህርቶም ብእንግሊዝኛ ክከታተሉ እዮም።

ኣብዚ ወቕቲ ጽድያ ኣብ ሽወደን ኣብ ዝርከባ ዩኒቨርሲቲታት ኣመልኪቶም ናይ ትምህርቲ ዕድል ዝረኸቡ ሰባትን ዝከታትልዎ ዓይነት ትምህርትን ኣመልኪቱ ትማል ሓበሬታ ተዘርጊሑ’ሎ። ብድምር 305 ሽሕ ተመሃሮ እዚ ዕድል ረኺቦም ኣለዉ፡፡ ካብዚኦም ልዕሊ 59 ሽሕ ትምህርቶም ብእንግሊዝኛ፥ እቶም ዝተረፉ ኸኣ ብቋንቋ ሽወደን ክከታተሉ እዮም ተባሂሉ’ሎ። ዝበዝሑ ናይ ትምህርቲ ዕድል ዝረኸባ ደቀንስትዮ እየን። ብጠቕላላ 192 ሽሕ ደቀንስትዮ፥ 112 ሽሕ ከኣ ደቂተባዕትዮ ምዃኖም ሮቢን …

Read More »

ምውሳኽ ሙቐትን ምንካይ ጠሊን ንኣግራብ ኣሜሪካ ዓቢ ሓደጋ የስዕብ ።

ምውሳኽ ሙቐትን ምንካይ ጠሊን ንኣግራብ ዘይምቹእ ኩነታት ስለዝፈጥር፡ ለውጢ ክሊማ ንኣግራብ ኣሜሪካ ዓቢ ሓደጋ የስዕብ ምህላዉ ተገሊጹ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ብተመራመርቲ ዩሲ ሳንታ ባርባራን ዩኒቨርሲቲ ዩታን ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ኣብ ቀረባ መጻኢ ዕጫ እዞም ኣግራብ እንታይ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣብሪሁ’ሎ። እቲ መጽናዕቲ ብኣገልግሎት ኣግራብ ኣመሪካን ክኢላታት ፊዚዮሎጂ እጸዋትን ዝተኣከበ መረዳእታ ብምውህሃድ፡ ኣግራብ ንደርቂ ዘለዎም ተቓላዕነቶም ምስ ዝቕየር ናይ ምትዕጽጻፍ ዓቕሞም ገምጊሙ’ሎ። …

Read More »

ኣብ ማእከላይ ዮተቦሪ ብዝተፈጸመ ምፍንጃር ሓደ ሰብ ቆሲሉ።

ትማሊ ምሸት ኣብ ማእከል ዮተቦሪ ኣብ ዝርከብ እንዳ ሻሂ ምፍንጃ ኣጋጢሙ። በቲ ፍንጀራ ዝሞተ ሰብ የለን፡ ሓደ ሰብ ግን ቀሊል መጉዳእቲ በጺሕዎ ናብ ሆስፒታል ተወሲዱ’ሎ። እቲ ተፈንጃሪ ርሽት (ባንገር) ወይ ኣየር-ቦምብ ከይኮነ ኣይተርፍን እዩ ክብሉ ፖሊስ ገሊጾም ኣለዉ። ሓደ ሰብኣይ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተወን ፖሊስ ምስ ዝሓለፈ ሰሙን ዘጋጠሙ ክልተ ምፍንጃራት ምትእስሳር ኣለዎ እንተኾይኑ ይርእዩ ምህላዎም ሓቢሮም።

Read More »

ቱርኪ ንኣባልነት ሽወደን ቀጠልያ መብራህቲ ድሕሪ ምሃባ ዝተሓዋወሰ ግብረ መልሲ የስዕብ።

ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲፕ ጠይብ ዔርዶጋን፥ ሽወደን ናብ ኔቶ ክትጽንበር ቀጠልያ መብራህቲ ምሃቡ ኣብ ፖለቲካውያን ውድባት ሽወደን ዝተሓዋወሰ ስምዒት ፈጢሩ’ሎ። ቀዳመይቲ ሚኒስትር ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ምስ ቱርኪ ልዝብ ዝጀመረት መራሒት ሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራት ማግዳሌና ኣንደርሾን በቲ ውሳነ ሕጉስቲ ምዃና ገሊጻ’ላ። ዔርዶጋን ቀይሕ መብራህቲ ሂቡ ማለት ሽወደን ብቕጽበት ናብቲ ኪዳን ክትጽንበር እያ ማለት ኣይኮነን ክብሉ ሓያሎ ክኢላታት ርእይቶኦም ይህቡ’ለዉ። ባይቶታት ሃንጋርን ቱርክን …

Read More »

ሰራዊት ሽወደን ሓድሽ ሓላፍነት ይጽበዮም ኣሎ ተባሂሉ።

ትማሊ ምሸት ዋና ጸሓፊ ኔቶ የንስ ስቶል’ተንበርግ፡ ቱርኪ ድሕሪ ናይ ኣዋርሕ ልዝብ፡ ሽወደን ናብቲ ወተሃደራዊ ኪዳን ክትጽንበር እወ ኢላ ከምዘላ ኣፍሊጡ። እዚ ማለት፥ ሓይልታት ምክልኻል ሽወደን ሓድሽ ዕማማት ይጽበዮም ኣሎ ማለት እዩ። ህሉው ምዕባለታት ዘርእዮ ነገር እንተሎ፥ ኣብ ዞባና ዝዓበየ ኣሰላልፋ ሓይሊ ኣየር ክህሉ ምዃኑ እዩ ይብል፥ ሌተናል ኮሎኔል ጆኣኪም ፓሲኪቪ ካብ ዩኒቨርሲቲ ምክልኻል ሽወደን። ንሱ፡ “ኣብ ዞባና ኣብ ጒዳይ …

Read More »

ሽወደን ምስ ቱርክ ዝፈጸመቶ ውዕል ንዘመናት ዘካየዳ መተከላት ትጥንጥን ምህላዋ ዘመልክት እዩ ተባሂሉ።

ሽወደንን ቱርኪን ብቕድሚ ትማሊ ኣብ ዝገበራኦ 7 ነጥቢታት ዘጠቓልል ስምምዕ፥ ቱርኪ ኣባልነት ሽወደን ናብ ኔቶ ከተጽድቕ፡ ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ግብረሽበራን ዝተወደበ ገበናትን ንነዊሕ ዝጸንሕ ሽርክነት ክፍጽማን ካልእን ቃል ኣትየን ኣለዋ። ኣብ ኢንስቲትዩት ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን ተንታኒ ኣራስ ሊንድ፡ እቲ ስምምዕ ሽወደን ናይ መትከል ለውጢ ከም ዝገበረት ዘርኢ እዩ ይብል። "ኣብ 2019 ሽወደን ብደረጃ ኤውሮጳ ምስ ቱርክ ዝግበር ንግድ ኣጽዋር ደው …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com