Monday , May 20 2024

ዜና

ሰራዊት ሽወደን ሓድሽ ሓላፍነት ይጽበዮም ኣሎ ተባሂሉ።

ትማሊ ምሸት ዋና ጸሓፊ ኔቶ የንስ ስቶል’ተንበርግ፡ ቱርኪ ድሕሪ ናይ ኣዋርሕ ልዝብ፡ ሽወደን ናብቲ ወተሃደራዊ ኪዳን ክትጽንበር እወ ኢላ ከምዘላ ኣፍሊጡ። እዚ ማለት፥ ሓይልታት ምክልኻል ሽወደን ሓድሽ ዕማማት ይጽበዮም ኣሎ ማለት እዩ። ህሉው ምዕባለታት ዘርእዮ ነገር እንተሎ፥ ኣብ ዞባና ዝዓበየ ኣሰላልፋ ሓይሊ ኣየር ክህሉ ምዃኑ እዩ ይብል፥ ሌተናል ኮሎኔል ጆኣኪም ፓሲኪቪ ካብ ዩኒቨርሲቲ ምክልኻል ሽወደን። ንሱ፡ “ኣብ ዞባና ኣብ ጒዳይ …

Read More »

ሽወደን ምስ ቱርክ ዝፈጸመቶ ውዕል ንዘመናት ዘካየዳ መተከላት ትጥንጥን ምህላዋ ዘመልክት እዩ ተባሂሉ።

ሽወደንን ቱርኪን ብቕድሚ ትማሊ ኣብ ዝገበራኦ 7 ነጥቢታት ዘጠቓልል ስምምዕ፥ ቱርኪ ኣባልነት ሽወደን ናብ ኔቶ ከተጽድቕ፡ ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ግብረሽበራን ዝተወደበ ገበናትን ንነዊሕ ዝጸንሕ ሽርክነት ክፍጽማን ካልእን ቃል ኣትየን ኣለዋ። ኣብ ኢንስቲትዩት ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን ተንታኒ ኣራስ ሊንድ፡ እቲ ስምምዕ ሽወደን ናይ መትከል ለውጢ ከም ዝገበረት ዘርኢ እዩ ይብል። "ኣብ 2019 ሽወደን ብደረጃ ኤውሮጳ ምስ ቱርክ ዝግበር ንግድ ኣጽዋር ደው …

Read More »

“ካብ ባክተርያ ዝምንጩ CO2 ዋዒ ዓለምና ንኽውስኽ ምኽንያት ይኸውን ኣሎ”–ሓደ መጽናዕቲ

ኣብ ኣየር ዝህሉ ምውሳኽን ጻዕቂን ካርቦን ዳይኦክሳይድ (CO2) ቀንዲ ምኽንያት ምውሳኽ ሙቐት ዓለምና ኮይኑ፡ ካብ ሓመድ ዝመጽእ ምንጪ ካብዚ ብሓሙሻይ ደረጃ ከም ዝስራዕ መጽናዕቲታት ኣመልኪቶም። ኣብ ሓመድ ዝርከቡ ብዓይኒ ዘረኣዩ ከምኒ ባክተርያ፣ ፋንጋስን ካልኦት ማይክሮብስ፣ ካብ ምዉታት ኣታኽልቲ ኦክስጅን ብምስሓብ ኣብ ሓመድ ዝርከቡ ኦርጋኒክ ባእታታት ከም ዝብስብዝ ዝገብሩ እዮም። ኣብዚ መስርሕ CO2 ከም ተረፈ ምህርቲ ናብ ከባቢ ኣየር ይፍኖ። ተመራመርቲ …

Read More »

ምስ ክብሪ ን ዝተኣሳሰሩ ገበናት ኣመልኪቱ ቤት ፍርዲ ሽወደን ሓድሽ ሕጊ ክፍተን እዩ።

ምስ ክብሪ ዝተኣሳሰሩ ገበናት ኣመልኪቱ ቤት ፍርዲ ሽወደን ንፈለማ ግዜኡ ኣብ ፍርለን ሓድሽ ሕጊ ንፈተነ ከተኣታቱ እዩ። 46 ዝዕድሜኡ ሓደ ሰብኣይ ምስ ስድራቤታዊ ክብሪ ብዝተኣሳሰር ኣብ ልዕሊ በዓልቲ ቤቱ ነበር ብዝፈጸሞ ግፍዒ ተጠርጢሩ ናብ ፍርዲ ይቐርብ ኣሎ። እዚ ሰብኣይ ናብዛ ሰበይቱ ነበር ኣዝዩ ዘፈራርህ ናይ ተሌፎን ጻውዒታት፡ ናይ ጽሑፍን ድምጺን መልእኽቲታት ክሰድድ ምጽንሑ ጭብጢታት ከም ዘለዋ ጠበቓ ክሪስቲና ሄል ብራን …

Read More »

ፊንላንድ፥ ዝበዝሑ ዜጋታት ኦላንድ ካብ ወተሃደራዊ ህላወ ናጻ እየን ዝብል ስያመ ክስረዝ ይደልዩ።

ዝበዝሑ ፊንላንዳውያን ነቲ ካብ ወተሃደራዊ ህላወ ናጻ ዝብል ስያመን ደረጃን ኦላንድ ክስረዝ ከም ዝደልዩ ብ ዩኒቨርሲታት ሄልሲንኪን ቱርኪን እተኻየደ ሓድሽ መጽናዕቲ ሓቢሩ። እዘን ኣብ መንጎ ሽወደንን ፊንላንድን ዘሎ ባሕሪ ባልቲክ ዝርከባ ርእሰ- ምምሕዳራዊ ስልጣን ዘለወን ደሴታት፡ ካብ 1856 ጀሚረን ካብ ወተሃደራዊ ህላወ ናጻ ኮይነን እየን ጸኒሐን። እንተኾነ ግና ተቐምጦ እተን ደሴታት እዚ ንልዕሊ ዘመንን ፈረቓን ዝጸንሐ ስያመን ደረጃን ክዕቀብ ከም …

Read More »

ሽወደን ናብ ኔቶ ክትጽንበር ዔርዶጋን ተሰማሚዑ።

ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲፕ ጣይብ ዔርዶጋን ሎሚ ምሸት ሽወደን ናብ ኔቶ ክትጽንበር ተሰማሚዑ። እዚ ስምምዕ ቅድሚ እቲ ኣብ ቪልኒየስ ዝካየድ ዋዕላ ኔቶ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ዔርዶጋንን ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ኡልፍ ክሪስተርሾንን ምስ ሓላፊ ኔቶ ጀንስ ስቶልተንበርግን ድሕሪ ዝተኻየደ ርክብ እዩ። ስቶልተንበርግ ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኔቶ ሕጂ ንኹለን ኣባል ሃገራት ዝያዳ ንምሕያል ክሰርሕ እዩ ኢሉ’ሎ። ወተሃደራዊ ኪዳን ኔቶ ሎሚ …

Read More »

ድኹም ክሮና ንሽወደን ናይ ወጻኢ ሰራሕተኛታት ክትስሕብ ኣጸጋሚ ይገብራ

ባጤራ ሽወደን ክሮና ብምድኻሙ ኩባንያታት ሽወደን ናይ ወጻኢ ሰራሕተኛታት ከይቆጽራ ዓብዪ ብድሆ ኮይኑ ምህላዉ ተፈሊጡ። ናብ ስድራቤቶም ሓዋላ ንዝልእኹ ሰባት፡ ዋጋ ክሮና ምስቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት ዝነበረ ክነጻጸር እንከሎ ብ10 ሚእታዊት ዝወሓደ ኮይኑ’ሎ። ምድኻም ባጤራ ክሮና ኣብ ወርክሾፕ መካይንን ኢንዱስትሪ ህንጻን ሓዊሱ ንሓያሎ ኢንዱስትሪታት ብኣሉታ ምጽላዉ፥ ሓያሎ ኩባንያታትን ትካላትን ዘዘራረበ ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ኣጣሊሉ’ሎ።

Read More »

ኣብ ገለ መሕጸቢ ቦታታት ጽሬት ማይ ዝተሓተ ምዃኑ ተገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት ብ ሰንኪ ዘጋጠመ ብርቱዕ ዝናብ፥ ኣብ መላእ ሽወደን ኣብ ዝርከባ መሕጸቢ ቦታታት ኣብ ጽሬት ማይ ኣሉታዊ ጽልዋ ምሕዳሩ ተገሊጹ። ኣብዞም ማያት ኣቐዲሙ ዝተገበረ መባእታዊ መርመራ ልዑል መጠን ገለ ባክተርያ ከምዘርኣየ ብምጥቃስ ተወሳኺ ናሙና ንምውሳድ ተዳልዩ ምህላዉ፡ እንተኾነ ግና ሰባት ዘየድሊ ሻቕላ ከየሕድሩ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ስቶክሆልም ተቖጻጻሪ ጥዕና ህዝቢ ሉድቪግ ሊንድስቶም ኣተሓሳሲቡ’ሎ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ኤጀንሲ …

Read More »

ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ጒዳይ ኣባልነት ሽወደን ናብ ኔቶ ሓደስቲ ተስፋታት ክህሉ እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ኡልፍ ክሪስተርሾንን ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲፕ ጣይብ ዔርዶጋንን ሎሚ ሶኑይ ተራኺቦም ብዛዕባ ሕቶ ኣባልነት ሽወደን ናብ ኔቶ ክዘራረቡ እዮም። ሕቶ ኣባልነት ሽወደን ዝመጽእ ሰሙን ብቱርክ ክጸድቕ እዩ ዝብል ተስፋ ከም ዘለዎ ዋና ጸሓፊ ኔቶ ያን ስቶልተንበርግ ገሊጹ’ሎ። ኣብ ትካል ኣህጉራዊ ጉዳያት ሽወደን ላዕለዋይ ኣማኻሪ መጽናዕቲ ያን ሃለንበሪ ብወገኑ፥ ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ኣብቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ መስርሕ ምምልካት ሓድሽ …

Read More »

ሓደስቲ ዝተመስረታ ‘ናጻ ኣብያተ ትምህርቲ’ መኽሰብ ኸይረኽባ ክግበር እዩ።

መንግስቲ ሽወደን፡ ነጻ ኣብያተ ትምህርቲ ፡ ብውልቂ ዝመሓደራ ከምኡ’ውን ብህዝባዊ ምወላ ዝሰርሓ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት መኽሰብ ከይረኽባ ክኽልከላ ኣለወን ዶ ንዝብል ሕቶ ክምርምር ምዃኑ ሚኒስተር ሊበራላዊ ትምህርቲ ኤዳ ሆልምስ ብቕድሚ ትማል ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ ዋዕላ ገሊጻ። በዚ ድማ ሓደስቲ ዝተኸፍታ፡ ዋንነተን ናብ ካልእ እተመሓለለፈ ኣብያተ ትምህርቲ ፡ ወይ ድማ ደረጃታት ንምዕባይ ተወሳኺ ህዝባዊ ምወላ ዝረኸባ ኣብያተ ትምህርቲ ንመኽሰብ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com