Monday , May 20 2024

ዜና

ተጻዋታይ ቴኒስ ሚካኤል ይመር ን 18 ኣዋርሕ ካብ ቴኒስ ተኣጊዱ።

ተጻዋታይ ቴኒስ ሚካኤል ይመር ን 18 ኣዋርሕ ካብ ቴኒስ ተኣጊዱ። ይመር ክልተ መርመራታት ዘይምግባሩ፥ ሳልሰይቲ ግና ምትግባሩ ተኣሚኑ’ሎ። ዝተኸልከሉ ንጥረ ነገራት ተጠቒሙ ከም ዘይፈልጥን፡ እቲ ውሳነ እገዳ "ዘይፍትሓዊ" ኮይኑ ከም ዝረኸቦን ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ ገሊጹ’ሎ። ብመሰረት እዚ መቕጻዕቲ፡ ይመር ሎሚ ዓመትን ዝመጽእን ኩሉ ውድድራት፥ እንተላይ ኣብ ፓሪስ ዝካየድ ኦሎምፒክ 2024 ኣይክሳተፍን እዩ።

Read More »

ስብርባር መርከብ ኤምኤስ ኢስቶንያ ንምምርማር ሮቦታት ይወርዱ ኣለዉ።

ስብርባር መርከብ ኤምኤስ ኢስቶንያ ንምምርማር ሮቦታት ይለኣኹ ምህላዎም ተገሊጹ። እታ ጃልባ ተጓዓዝቲ ፥ ኣብ 1994 ካብ ታሊን ናብ ስቶክሆልም እናተጓዕዘት ብምጥሓላ 852 ሰባት ምሟቶም ዝፍለጥ እዩ። ናይታ ጃልባ ላዕለዋይ ክፋል ክስኣል፡ ከምኡ’ውን ኣቕሑ ዝዕሸገሉ ኣካላ ንመርመራ ካብ መዓሙቕ ከም ዝለዓል ክግበር እዩ። ብዘይካዚ ካብ ቀዳዳት ላሜራ እታ መርከብ ገለ ናሙናታት ክውሰድ እዩ–ብመሰረት ሓበሬታ ሬድዮ ሽወደን።

Read More »

ኤውሮጳ ብርቱዕ ደርቅን ሃሩርን የጋጥማ’ሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኤውሮጳ ብሰንኪ እተመዝገበ ውዑይ ሓጋይን ነቕጺን በረዳት ምምካኾምን፥ እዚ ተርእዮ ኣብታ ካብ ዝተረፈ ክፋል ዓለም ብዕጽፊ እትመውቕ ዘላ ኣህጉር ኣውሮጳ ክድገም ከም ዝኽእል፥ ምክትታል ክሊማ ሕብረት ኤውሮጳ ትማሊ ሓሙስ ገሊጹ። ብሰንኪ ምልዋጥ ክሊማ ዓምናን ሃሩርን ክልተ ሲሶ ሩባታት ኤውሮጳ ትሕቲ ማእከላይ ደረጃ ከምዝወረዱን ሓሙሽተ ኪዩቢክ ኪሎሜተር እምባ በረድ ካብ ኣልፓይን ከም ዝሓቐቐን “ኣገልግሎት ሓበሬታ ክሊማዊ ለውጢ …

Read More »

ፊንላንድን ኣመሪካን ኣብ ጒዳያት ቴክኖሎጂ ይዘራረባ።

ፕረዚደንት ሳውሊ ኒኒስትሮ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ሄልሲንኪ ምስ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ኣብ ዘካየድዎ ርክብ ብርክት ዝበሉ ጉዳያት ኣልዒሎም ምዝታዮም ገሊጹ። “ብዙሕ ጉዳያት ኢና ኣልዒልና። ምስ ባይደን ብተደጋጋሚ ክንራኸብ ጸኒሕና ኢና፡፡ ስለዚ ድማ ዝርርብና ቀጥታዊ’ን ብዝቐልጠፈ ናብ ዓበይቲ ኣጀንዳታት ክንሓልፍ ኣኽኢሉና እዩ” ክብል ብሓሙስ ምስ YLE ኣብ ዝገበሮ ፍሉይ ቃለ መሕትት ገሊጹ። ኣብ ክልተኣዊ ምትሕግጋዝ ምክልኻል፥ ዓውድታት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ፡ ኳንተም …

Read More »

ኣብ ስኪንስካተበሪ ሰለስተ ሰባት ኣብ መኪና ሞይቶም ተረኺቦም

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ቫስትማን ላንድ ካብ ስኪን ስካትበሪ ወጽእ ኢሉ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ሰለስተ ሰባት ኣብ ውሽጢ መኪና ሞይቶም ተረኺቦም። መወትቲ ፥ ሓንቲ ጓል ኣንስተይትን ክልተ ቆልዑን ምንባሮም ሓደ ዓቃቢ ሕጊ ንሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። እታ ሰበይቲ ነቶም ቆልዑ ድሕሪ ምቕታል ነፍሳ ባዕላ ምጥፋኣ፡ ነዚ ንምትግባር እተጠቕመትሉ መሳርሒ ኸኣ ኣብታ መኪና ከም እተረኽበን ኣኽባር ሕጊ ገሊጹ’ሎ።

Read More »

ብሰንኪ ልዕሊ ዓቐን ጽቕጥቕጥ ኣብ መእሰሪ ማእከላት ምብጻሕ እገዳ

ብምኽንያት ብዝሒ ዘለዎ ቀይዲ ኣባላት ጒጅለታት ገበን ዝኾኑ መንእሰያት ኣብ ማእከላት መአደቢን ኣብያተ ማእሰርትን ሽወደን ምጽባብ ብምኽሳቱ መንግስቲ ን ጸጥታ እዞም ማእከላት ቆላሕታ ክገብረሉ ዳይረክተር ጀነራል ኣብያተ ማእሰርቲን ኣገልግሎት ኣመክሮን ማርቲን ሆንግርዮን ኣተሓሳሲቡ። ካብ 39 መእሰሪ ማእከላት ኣብተን ቀዳሞት ሽዱሽተ ኣዋርሕ ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት፡ እተን 33 ልዕሊ ዓቐን ጽቕጥቕጥ ከም ዝተራእየን ኣገልግሎት ቤት ማእሰርትን ኣመክሮን ሓቢሩ። በዚ ድማ መብጽሒ …

Read More »

ሽወደን 6 ቢልዮን ክሮና ዝግመት ፓኬጅ ን ዳግመ ህንጸት ዩክሬን ክትህብ እያ።

መንግስቲ ሽወደን ዩክሬይን ዳግማይ ንምህናጽ ዝግበር ዘሎ ጻዕርታት ንምድጋፍ ዝዓለመ ሓድሽ ናይ 6 ቢልዮን ክሮና ፓኬጅ ሎሚ ኣቕሪቡ፡ እዚ ድማ ክሳብ ታሕሳስ 2027 ዝጸንሕ እዩ። እቲ ፓኬጅ ሓገዝ ቁጠባዊ ልምዓት፣ ድሕንትን ሰብኣዊ መሰላትን እናደገፈ፥ መሰረተ ልምዓት ዳግም ንምህናጽ ዝዓለመ እዩ። ሚኒስተር “ኣህጉራዊ ምትሕብባር ልምዓት” ዮሃን ፎሸል ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ብሰንኪ ደብዳብ ሩስያ ኣብ መሰረተ ልምዓት ዩክሬይን ገዚፍ ዕንወት …

Read More »

ፖለቲከኛታት ሽወደን ብዛዕባ ሓድሽ ውጥን ምሕዳስ ተፈጥሮ ሕብረት ኤውሮጳ ምስምማዕ ይስእኑ።

ባይቶ ኤውሮጳ ኣብዚ ሰሙን’ዚ፥ ኣብ ኣባላት ሃገራት ስነ-ህይወት ንምምላስ ዝዓለመ እማመ ኣጽዲቑ። እቲ እማመ፡ ብዙሕነት ህይወትን ክሊማን ንምድንፋዕ፡ 20 ሚእታዊት ካብ መላእ መሬትን ባሕርን ሕብረት ኤውሮጳ ክሳብ 2030 ናብ ንቡር ክምለስ ክጅምር ከም ዘለዎ እዩ ዝገልጽ። እቲ እማመ ግን ኣካታዒ ኮይኑ፡ ኣብ መንግስቲ ሽወደን ዝርከቡ ሰለስተ ውድባት ከይተረፉ በቲ ውጥናት ተፈላልዮም ኣለዉ። ዓቃባዊ ስልፊ፥ ክርስትያናዊ ዴሞክራሲ ከምኡ’ውን ሰልፊ ዴሞክራሲ ሽወደን …

Read More »

ዓሎቕ ባንክካርድ መሊሱ ይውስኽ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፋ ሒደት ዓመታት ብ ካርድ ባንክ ዝፍጸም ዓሎቕ ክንኪ እኳ እንተጽንሐ፥ ኣብዚ ገበን እተዋፈሩ ሰባት ንስርዓተ ድሕነት ባንክታት ምሕላፍ ብምኽኣሎም እዚ ገበን ወሰኽ ምርኣዩ ተገሊጹ። ክሳብ ሕጂ ኣብዚ ዓመት ኣብ ሽወደን ልዕሊ 41 ሽሕ ምትላል ዲጂታላዊ ባንክ ካርድ ተፈጺሙ’ሎ። ኣብ 2020 ብምኽንያት ምትእትታው ስርዓተ ምክልኻል፥ ብባንክ ካርድ ዝፍጸም ዓሎቕ ምጒዳል ኣርእዩ ነይሩ እዩ። ገበነኛታት ኣብ ስርዓታት ጸጥታ እናተዘዋወሩ ካብ …

Read More »

መጠን ዝቕባበ ሽወደን ሕጂውን ኣዝዩ ልዑል ምዃኑ ተገሊጹ።

ኣብ ሽወደን ኣብ ወርሒ ሰነ ዝቕባበ ዋጋታት ኣብ 6.4% ኮይኑ ምጽንሑ፡ እዚ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ወርሒ ዝወሓደ እኳ እንተኾነ፡ ሕጂ’ውን ካብቲ ማእከላይ ባንክ ዝሓንጸጾ ሸቶ 2% ኣዝዩ ዝለዓለ ምዃኑ ተገሊጹ። ክኢላታት ስነ-ቚጠባ ሽወደን፥ መጠን ዝቕባበ ካብዚ ሕጂ ዘሎ ብዝንህር መጠን ምጒዳል ከርኢ እዩ ዝብል ትጽቢት ጌሮም ኔሮም እዮም። "መጠን ዝቕባባ ብርግጽ ይጎድል ኣሎ፥ እንተኾነ ግና ኣዝዩ ዘገምታዊ እዩ። ክኢላታት ስነቚጠባ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com