Thursday , May 16 2024

H &M ኣብ መዓልቲ በዓል ንወርሓዊ ኮሚሽኖም ብምልዋጥ ሳርፕራይዝ ምግባሩ ተገሊጹ።

H&M ካብ ዝመጽእ ወርሒ ጀሚሩ ናይ ሰራሕተኛታት ስርዓተ ኮሚሽን ክቕይር ምዃኑ ኣፍሊጡ’ሎ። ካብ ባሕቲ ታሕሳስ ጀሚሩ ብመሰረት ዝሸጥዎ ብዝሕን ዓይነትን ኣቕሓ ኮሚሽን ክፍሊት ምስ ሰራሕተኛታት ኩሉ ክፍሊታት ብምጥማር ወርሓዊ ኮሚሽን ከርሑ እዩ ተባሂሉ’ሎ። እዚ ስርዓት ናይ ሰራሕተኛ ኮሚሽን ወርሓዊ ካብ 500 ናብ 1500 ክሮነር ክብ ከብል ተኽእሎ ኣሎ ተባሂሉ’ሎ።

ኣፍቶንብላዴት ንሰራሕተኛታት እቲ ትካል ብምሕታት ኣብ ዘካየደቶ መርመራ ነዚ ኣገባብ ዘይግቡእ ክትብል ነቒፋቶ’ላ። እዛ ወርሒ ምስ በዓል ኣብ ሓደ ትውዕል ብምህላዋ ሰራሕተኛታት ንዝያዳ ስራሕ ዝዕድም እዩ ክትብል ድማ ቅሬታኣ ገሊጻ’ላ። ሓላፊት ርክባት H&M ዮሃና ሩስ “ሰራሕተኛታትና ንኮሚሽናቶም ክልውጥዎ ዝኽእልሉ ዕድል ሂብናዮም ኣሎና ኢልና ኢና ንኣምን” ኢላላ። እዚ ኣብ ልዕሊ ንቡር ደሞዝ ሰራሕተኛታት ዝውሰኽ ኮሚሽን ምስ ሓፈሻዊ ስምምዓት ዝሳነ ብምዃኑ ሰራሕተኛታት ክጥቀርሙሉ ዝግባእ ዕድል እዩ” ክትብል ድማ ኣብሪሃ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com