Friday , May 17 2024
More and more children have been diagnosed with ADHD and autism since the turn of the millennium. Foto: Johan Nilsson / TT / Kod 50090

ብርክት ዝበሉ መንእሰያት፡ ንኩነታት ጥዕኖኦም ብዝምልከት ዝተዋህቦም ናይ መርመራ መግለጺ ክስረዘሎም ይጠልቡ

ብርክት ዝበለ ኣሃዝ ዘለዎም ብኸም ADHD ወይ ድማ ኦቲዝም ዝኣመሰለ ኒውሮሳይካያትሪክ ናይ መርመራ ውጽኢት (neuropsychiatric diagnoses) ከምዘለዎም ዝተነግሮም መንእሰያት እቲ ናይ ጥዕኖኦም ኩነታት ዝምልከት ሜዲካላዊ ውጽኢት ክስረዘሎም ከምዝደልዩ ጸብጻባት ናይ ራድዮ ስቫሪየ ኣፍሊጦም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ እቶም ዝግበሩ መርመራታት ነቶም ዝምርመሩ ተሓከምቲ ብትኽክል ዝውክሉ ኮይኖም ኣይርከቡን ዘለው ዝብል ስምዒታት እንዳበዝሐ ይመጽእ ከምዘሎ ተፈሊጡ። ካብቶም ኣብታ ሃገር ዝርከቡ 21 ምምሕዳራት፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ፍርቂ ዝርከቡዎም ተሓከምቲ፡ እቶም ኒውሮሳይኪያትሪክ መርመራታ ተገይሩሎም እንደገና እቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበሮም ውጽኢት ብሓድሽ ክትከኣሎም ዝደልዩ ሰባት ቁጽሮም እንዳበዝሐ ይመጽእ ከምዘሎ፡ ኢኮት ኣብ ዘካየዶ መጽናዕቲ ዝተረኽበ ውጽኢት ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።
ይኹን እምበር ካብዞም ምምሕዳራት እቶም ልዕሊ ፍርቂ ዝኾኑ፡ ነዚ ሓድሽ ድልየት ናይ ተመርመርቲ ከታኣናግድ ዝኽእል መርመራታት ክሽፍን ዝኽእል እኹል ሃብቲ ከምዘይብሎም እዮም ዝገልጹ ዘለው።
“ኣብ ሞንጎ እቶም ናይ ብሓቂ ኩነታቶም ክፈልጡ ዝደልዩን እቶም ሕጂ ጽቡቕ ነገር ይስምዕም ስለዘሎ፡ ንኸጻርዩ ኢሎም ካልኣይ ግዜ ክምርመሩ ዝደልዩ ተሓከምቲን ቅደም ሰዓብ ምቕማጥ ኣድላይ እንድሕር ኮይኑ፡ ካብዞም ክልቲኦም ወገናት እቲ መርመራ ብቐዳምነት ንመን ከምዘድልዮ ንምፍላጥ፡ ክቢድ ኣይኮነን” ክትብል ኢንግመሪ ዊሰልግሬን ኣብ SKR ኣዋሃዲት ናይ ሳይካያትሪ ዝኾነት ንራድዮ ስቫርየ ሓቢራ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com