Thursday , May 16 2024
STOCKHOLM 20200326 SÄPOs årsbok presenterades under en webbutsänd pressträff hos Säkerhstapolisen i Solna. Foto: Fredrik Sandberg / TT kod 10080

Säpo፡ ኣብ ናይ ጽሬት ድሕሪ ዘጋጠመ ፍጻሜ፡ ሕግታት ክፍትሽ ምዃኑ የተሓሳስብ

ኤክስፕሬሰን (Expressen’s)  ዝባሃል ማዕከን ዜና ድሕሪ ዘውጾ ሓበሬታ፡ ትካል ኣገልግሎት ጸጥታ ሽወደን (Swedish Security Service)፡  ኣብ ሓደ ሓደ ሕግታት ለውጢ ንምግባር ‘የድልይ ድዩ ኣየድልን’ ይዛራረበሉ ከምዘሎ ኣፍሊጡ። እዚ ዕላዊ ዝኾነ ሓበሬታ ብዛዕባ ሓንቲ ንኽትጥረዝ ትእዛዝ ዝወጸላ ስደተኛ ሰበይቲ ዝምልከት ኮይኑ፡ ንሳ ኣብትሕቲ ሓደ ናይ ጽሬት ስራሓት ዘካይድ ትካል ተቖጺራ፡ ነበር መንበሪ ገዛ ናይ ቀዳመይቲ ሚኒስቴር ማግዳሊን ኣንደርሾን ከተጽርይ ከላ ብፖሊስ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ድሕሪ ምእታዋ ድሕሪ ዝተፈጥረ ፍጻሜ ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ።
Säpo ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ፡ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ክበጽሑ ዝኽእሉ ሓደጋታት ንምክልኻል ቀጻሊ ዝኾነ ግምገማ ከምዝገብር ሓቢሩ። እቲ ትካል ጸጥታ፡ እዚ ጉዳይ እዚ ኣብ መስርሕ ዘሎን ገና ዘይተወደአ መርመራን ምዃኑ ኣብ ዘውጾ መግለጺ ሓቢልሩ’ሎ።
“ኣብ መራኸቢታት ሓፋሽ ብዛዕባ ዝወጸ ሓበሬታ ኣመልኪቱ፡ ትካል ጸጥታ ሽወደን ኣብቶም መርትዖታት ተሞርኪሱ ግቡእ ዝኾነ መርመራ ክገብር’ዩ” ክትብል ናይ säpo ሓለቓ ዝኾነት ሻርሎት ቪን ኤሰን ኣብቲ መግለጺ ኣረዲኣ።
“ምስዚ ተተሓሒዙ ድማ፡ ናይ ኣሰራርሓታትን ቁፅጽርን ለውጥታት ምትእትታው ዘድልይ እንድሕር ኮይኑ፡ ደጊምና ነቶም ሕግታት ክንፍትሾም ኢና”
እታ ግዜያዊ ፕረስ ሴክሬታሪ ናይ ቀዳመይቲ ሚኒስቴር ንማዕከን ጋዜጣ ስቬንስካ ዳግስብላደት ከምዝገለጸቶ እንድሕር ኮይኑ፡ ኣንደርሾን ብወርሒ ታሕሳስ ዕለት 18 እያ ካብቲ ናይ ውልቃ መንበሪ ገዝኣ ዝነበረ ናብቲ መንበሪ ሚኒስተራት ዝኾነ ‘ሳጌሽካ ህንጻ’ ተባሂሉ ናብ ዝጽዋዕ መንበሪ ዝቐየረት።
“ትካል ጸጥታ ሽወደን፡ ናይ ውልቀ ሰባት ሓለዋ ብኸመይ ከምዝፍጽሞ ብዝርዝር ምእታው ካብ ባህርያት ናይቲ ስራሕ ኣንጻር ግቡእ ኣይኮነን። እዚ ማለት ድማ፡ እታ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ናብቲ ሕጂ ዘላትሉ ዕላዊ መንበሪ ቅድሚ ምቕያራ፡ እቲ ንዓኣ ዝግበረላ ዝነበረ ዓይነት ሓለዋ ከመይ ይመስል ነይሩ ብዛዕባ ዝብል ኣጀንዳ ክንዛረብ ኣይንኽእልን ኢና ማለት እዩ” ይብል ወሲኹ እቲ መግለጺ ናይቲ ትካል።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com