Friday , May 17 2024
Foto Henrik Montgomery / TT kod10060

ሓደ ሚኒስተር፥ “ሽወደንን ፊንላንድን ኣባላት ኔቶ እንተኾይነን ሓይሊ ምክልኻል ኖርዲክ ክድንፍዕ እዩ”

“ሽወደንን ፊንላንድን፡ ኣባላት ወተሃደራዊ ሽርክነት ኔቶ እንተኾይነን፡ ሓይሊ ምክልኻል ኖርዲክ ክድንፍዕ እዩ” ክብል ሚኒስተር ምክልኻል ሽወደን ትማል ሰሉስ ን ሬድዮ ሽውደን ኣብ ዝሃቦ ቃል ሓቢሩ።

ሚኒስተር ፒተር ሁልትክቪስት፡ ብዛዕባ ምጽንባር ኔቶ ተጠራጣሪ መርገጺ ሒዙ ምጽንሑ ዝፍለጥ እዩ። ኣብዚ ጒዳይ ኣባልነት፡ ሽወደን መርገጺኣ እተፍልጠሉ መዓልቲ ቀሪቡ ኣብ ዝበሃለሉ እዋን፡ ኣብ ሕጂ በጺሑ ድዩ ሓሳቡ ቀዪሩ፡ ክብል ንዝቐረበሉ ሕቶ ሁልትክቪስት ጎስዩዎ ሓሊፉ’ሎ። ንሽወደን ዝመርሕ ዘሎ ሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት፡ ብዛዕባቲ ንነዊሕ እዋን ክቃወሞ ዝጸንሐ ጒዳይ–ማለት ናብ ኔቶ ምጽንባር–ቊርጽ ዝበለ ውሳነ ከሕልፍ ምዃኑ ምግላጹ ዝፍለጥ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com