Wednesday , May 15 2024
(Washington State Department of Transportation via AP) FX106

ምያንማር፥ ብምንሽርታት መሬት፡ 70 ሰባት ይጠፍኡ

ኣብ ሃገረ ምያንማር፡ ኣብ ናይ ዕደና ቦታ ብዘጋጠመ ምንሽርታት መሬት፡ ሓደ ክምወት እንከሎ፡ 70 ዝኾኑ ድማ ሃለዋቶም ከም ዘይተፈልጠ ተገሊጹ።

ናይ መድሕን ሰራሕተኛታት ኣብቲ ቦታ ተዋፊሮም ምህላዎም ዝገለጸ ጸብጻብ ቢቢሲ፡ እቶም ግዳያት ዘይሕጋውያን ዓደንቲ ክቡር ዑንቂ ምንባሮም ወሲኹ ኣመልኪቱ። እዚ ምንሽርታት መሬት ብረቡዕ ሰዓት 4 ኣብ ከባቢ ህፓካንት ክልል ካቺን እዩ ኣጋጢሙ።

እዚ ሓደጋ፡ ብምኽንያት ዓበይቲ መካይን ከግዕዝኦ ዝጸንሓ ፍርስራሳት እተኸስተ ክኸውን ከም ዝኽእል ሰብመዚ እታ ሃገር ገሊጾም ኣለዉ።

ምያንማር ኣብ ዓለምና ዝበዝሐ ማዕድን ክቡር ዕንቊ ዝርከባ እኳ እንተኾነት ምስ ዕደና እተተሓሓዙ ብርክት ዝበሉ ሓደጋታት ከም ዘጋጥሙ ጸብጻባት የመልክቱ። ብተወሳኺ ኣብ ክልል ህፓካንት ዕደና ክቡር ዕንቊ ክልኲል እኳ እንተኾነ ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ዘሎ ልዑል መጠን ሽቕለት ኣልቦነትን ድኽነትን ብርክት ዝበሉ ሰባት ኣብቲ ስራሕ ከም ዝዋፈሩን ኣኽበርቲ ጸጥታ ሸለል ከም ዝብልዎምን ኣብቲ ጸብጻብ ተመልኪቱ።

ቅድሚ ገለ መዓልታት እውን ኣብታ ሃገር ብተመሳሳሊ ሓደጋ 10 ሰባት ምሟቶም ዝዝከር እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com