Wednesday , May 15 2024

ሰሙናዊ ጸብጻብ ሽቕለት ኣልቦነት

ኣብ ወርሒ ነሓሰ፡ 1594 ሰባት፡ ካብ ስራሕ ክሰናበቱ ምዃኖም ተሓቢሮም ክብል ጸብጻብ ቤት ጽሕፈት ኣርቤትስፎርሜድሊንየን ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ማለት መበል 34 ሰሙን፡ 7880 ሓደስቲ ሰባት ኣብ መዝገብ ስራሕ ኣልቦ ከምዝሰፈሩን በዚ ድማ ብዝሒ ናይ ስራሕ ኣልቦ ዝኾኑ ሰባት፡ ኣስታት 402 ሽሕ በጺሑ ምህላዉን መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ድማ 7.8% ምብጽሑ ጸብጻባት ኣርቤትፎርሜድሊንየን ሓቢሮም።

ኣብ ተመሳሳሊ እዋን፡ ኣስታት 8 ሽሕ ሰባት፡ ስራሕ ከምዝጀመሩን 3124 ድማ ስሩዕ ስልጠና ከምዝጀመሩ እቲ ቤት ጽሕፈት ገሊጹ።

2689 ኣብ ክሊ ዕድመ 18 ክሳብ 24 ዓመት ዘለዉ መንእሰያት፡ ኣብ መዝገባት ስራሕ ኣልቦ ከም ዝተወሰኹን፡ በዚ ድማ ብዝሒ ናይቶም ኣብዚ ክሊ ዕድመ ዝርከቡ ስራሕ ኣልቦ ዝኾኑ መንእሰያት፡ 53756 ብምብጽሑ ንመጠን ሽቕለት ኣልቦነት ናብ 10.4% ኣብጺሕዎ ከምዘሎ፡ ጸብጻባት እቲ ቤት ጽሕፈት ይሕብሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com