ምስ ዝሓለፈ ዓመት ብምንጽጻር ናይ ሎም ዓመት ባጀት ማሕበራዊ ድሕነት ክጒድል ምዃኑ ዳህሳስ ተሌቪዥን ሽወደን ኣመልኪቱ’ሎ። ሓደ ካብ ሕምሲት ምምሕዳራት ከተማ ሽወደን ምጒዳል እዚ ባጀት ኣብ ዓይነት ማሕበራዊ ድሕነት ርኡይ ጽልዋ ክህልዎ ምዃኑ እምንቶ ከም ዘለወን እቲ ዳህሳስ ኣመልኪቱ’ሎ። “ገለ ምምሕዳራት ከተማ እዚ ወጻኢታት ከቢዱወን እዩ ጸኒሑ” ክትብል ዋና ክኢላ ስነቚጠባ ኣኒካ ዋልስኮግ ሓቢራ።
ብመሰረት እቲ ዳህሳስ እዘን ምምሕዳራት ከተማ ንሽማግለታት ዝወሃብ ሓገዝ ከጒድላ እንከለዋ ገለ ድማ ኣብ ቅድመ ትምህርትን ክንክን ቈልዑን ዝግበር ባጀት ክቘርጻ ምዃነን እየን ዝገልጻ ዘለዋ። ዝበዝሓ ኣባላት ባይቶ ተወሳኺ ናይ 7.5 ቢልዮን ክሮና ንምምሕዳራት ከተማ ክስልዓ ይዳለዋ ምህላወን እንተኾነ ግና እዚ ምስቲ ጠለብ ዘይዳረግን እዂልን ዘይምዃኑን ካብ 2022 ንደሓር ነዚ ሃጓፍ ንምትካእ ቀረጽ ኣብ ምውሳኽ ክመኽራ እየን ተባሂሉ’ሎ።