Saturday , May 11 2024

ኣብ ሽወደን ዳግማይ ብ ኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፈ ሰብ ኣብ ከተማ ዮተበሪ ይርከብ።

እዚ ወዲ 30 ዓመት ዝኾነ መንእሰይ ድሕሪ ኣብ ጥልያን ዝነበሮ መገሻ ምምላሱ ኣብ ሰብነቱ ምልክታት ረስኒን ጸገም ምትንፋስ ምግባሩን ኣብ ዝገበሮ መርመራ ግዳይ እዚ ቫይረስ ሙዃኑ ዝተረጋገጸ። እዚ ግዳይ ኣብ ከተማ ዮተበሪ ዝርከብ ሆስፒታል ሳህልግረንስካ ዩኒቨርስቲ ዝተገብረሉ መርመራ እዩ እዚ ሰብ ግዳይ ኮሮና ቫይረስ ከምዝኾነ ብምርግጋጽ ትማሊ ሮቡዕ ሰብ መዚ ጥዕና እዚ ሆስፒታል ንማእከናት ዜና ኣብዝሃብዎ ሓበሬታ ገሊጾም። እዚ ግዳይ ድሕሪ ስለስተ መዓልቲ ካብ ትዝነበሮ መገሻ ጥልያን ምምላሱ እዚ ምልኽት ድሕሪ ምርኣዩ ብገዛእ ፍቃዱ ናብ ክልኒክ ምምጽኡ ወሲኾም ገሊጾም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com