Saturday , May 11 2024

ኤጀንሲ ጥዕና ብዛዕባ ጒዕዞን ሓደጋ ቫይሮስ ኮሮናን ኣገልግሎት ምኽሪ ምሃቡ ተገሊጹ።፡

ኤጀንሲ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ካብ ደቡብ ኮርያን ኢራንን ገለ ከባቢታት ዓዲ ጣልያንን ንዝተመልሱ ተጓዓዝቲ ብዛዕባ ቫይረስ ኮሮና ኣስተምህሮ ምሃቡ ተገሊጹ። እዚ ለበዋ ኣካል ናይቲ ብዛዕባ ቫይረስ ኮሮና ዝወሃብ ዘሎ ሓፈሻዊ ኣገልግሎት ኰይኑ ከምኒ ሰዓልን ረስንን ዝብሉ ምልክታት እዚ ሕማም ዘርኣየ ንዝያዳ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ናብ 1177 ጻውዒት ክገብር ከም ዝኽእል መብርሂ ተዋሂቡ። እዚ ንኸም ሁበኢን ካልኦት ዞባታት ቻይናን እውን ዘጠቓልል እዩ። እንተኾነ ግና እቲ ኤጀንሲ ንዂሎም ክብ ወጻኢ ሃገራት ዝምለሱ ሰባት ሕክምናዊ መርመራ ምግባር ኣድላዪ ኰይኑ ከም ዘይረኸቦ እዩ ዝገልጽ። ሰባት በዚ ሕማም ምስ ዝልከፉ ካብ 3-5 ኣብ ዘለዋ መዓልታት ምልክታት ምርኣይ ከም ዝጅምሩ ድማ ክኢላ ተላባዕቲ ሕማማት ኣንደርስ ቲግነል ሓቢሩ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com