ሃገራት ዓለም ነቶም ምንጪ ናይቶም ፡ ንሙቐት ዓለምና ኣብ ምዝያድ ዝሕግዙ ጋዛት፡ ምጥቃም ከቋርጻ ኣለወን። ካብተን በንዚንን ናፍታን ዝጥቀማ መካይንን ፋብሪካታትን እዚ ዓይነት ጋዝ ይምንጩ። ኣብ ዓመተ 2045 ሽወደን ምጥቃም ናይዞም ምንጪ ጋዛት ዝኾኑ ባእታታት ከተቋርጾ ወሲና ኣላ። እዚ መስርሕ ግን ብቀስታ ዝጓዓዝ እዩ።
ነዚ ጉዳይ ኣመልኪተን ዝተፈላለያ ኩባንያታትን ምምሕዳራትን እማመ ኣውጺአን ኣለዋ። ኣብ ኢድ መንግስቲ 27 እማመታት ኣለዉ። ገለ ካብቲ እማመታት ድማ
• ነቶም ዝተመሓየሸ መስመር ኤሌክትሪክ ዝሓቱ መንግስቲ ቅልጡፍ ኣወንታዊ መልሲ ክህቦም
• ኣማራጺ ናይ ተሽከርከርቲ፡ መራኽብን ባቡርን ንምርካብ መንግስቲ እኹል ባጀት ክስልዕ ይግባእ
• በንዚንን ናፍታን ምስ ማሓዛ ከባቢ (ከባቢ ዘይጎድኡ) ዝኾኑ ክሕወሱ፡ ከም ተረፍ መግቢ ዝኣመሰሉ ኩለን ፋብሪካታትን መሳንዕን ካምፓኒታትን ሽወደን ነዚ መርዛም ነዳዲ ካብ ምጥቃም ነጻ ንኽንገብረን ብሓባር ክንጽዕር ከም ዘለና Swedish Fossil Agency ሓቢሩ።