Wednesday , May 15 2024

ሽግር ገበናት ኣብ ሽወደን ዓሌት ዘይኰነ ዕጸፋርስ ምዃኑ ፖሊስ ዮተበሪ ሓቢሩ።

ፖሊስ ከተማ ዮተበሪ ኣብ መንእሰያት ዝረአ ገበንን ራስያን ብምኽንያት ምጥቓም ዕጸፋርስ ዝድረኽ ምዃኑ ገሊጹ። እዚ ድማ ነቲ ዝጸንሐ ስደተኛታት ምብዝሖም እዩ እዚ ጒዳይ ሳዕሪሩ ንዝብል ኣተሓሳስባ ዝሰብር እዩ ተባሂሉ’ሎ። መርመራ ፖሊስ ከም ዘመልክቶ እቶ ኣብ ከምዚ ዝበለ ሕማቕ ተግባር እተዋፈሩ መንእሰያት ሽወደናውያን ምዃኖም እዩ።

ኣብ ዓመታት 2018-19 ብመንእሰያት ዝፍጸም ራስያ ብ 31 ሚእታዊት ምዕባዩ እዩ ዝግለጽ ዘሎ። ብመሰረት ተሌቪዥን ሽወደን ካብቶም ኣብ ዮተበሪ እተፈጸሙ 6 ራስያታት እቶም 5 ብሽወደናውያን እቲ ሓደ ኸኣ ብታይላንዳዊ እዮም ተፈጺሞም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com