ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብጠያይት ተወቒዖም ናብ ሆስፒታል ዝመጹ ሰባት ቊጽሮም ብ 20 ሚእታዊት ምውሳኹ ቆንስል ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ሓቢሩ። ብመሰረት ሓበሬታ ሬድዮ ኤኮት እዚ ኣሃዝ ነቶም ብሰንኪ ጥይት ግዳያት ሞት ዝኾኑ ኣየጠቓልልን እዩ።
ብመሰረት እዞማ ኣሃዛት ዓሚ 148 ሰባት ክንክን ሕክምና ክረኽቡ እንከለዉ 26 ኣብ ዓመተ 2017 ኣብ 2018 ከኣ ካብ ዕጽፊ ብዝዛይድ ቊጽሪ ምውሳኹ ተመልኪቱ’ሎ። ኣብ ካሮሊንስካ ዩኒቨርሲቲ ሆስፒታል ትሰርሕ ሌናርት ኣንደርሰን እዞም ኣሃዛት ቅኑዓት ምዃኖም ብምምልካት ዓመታዊ 50 ብጥይት ዝተወቕዑ ሰባት ከም እትሕክም ገሊጻ’ላ።