ኣብ በልጄም፡ ሓሙሽተ መንእሰያት፡ ንሓንቲ 14 ዝዕድሚኣ ህጻን፡ ጾታዊ ዓመጽ ብምፍጻሞም ተኸሲሶም ኣለዉ።
እታ ህጻን፡ እዚ ጾታዊ ዓመጽ ምስ ወረዳ ኣብ ራብዓይ መዓልታ፡ ነፍሰ ቕትለት ከም ዝፈጸመት እውን ተገሊጹ። ስእልታት እዚ ጾታዊ መጥቅዕቲ ኣብ ኦንላይን ተዘርጊሑ ምህላዉ ማዕከናት ዜና በልጄም ገሊጸን ኣለዋ። ሰለስተ ካብቶም ጥርጡራት ትሕቲ ዕድመ መንእሰያት ኮይኖም፡ ሕጂ ኣብ ተሃድሶ መንእሰያት ከም ዘለዉ፡ ክልተ 18 ን 19ን ዝዕድሜኦም መንእሰያት ድማ ትማሊ ረቡዕ ናብ ቤት ፍርዲ ምቕራቦም ነተን ማዕከናት ዜና ብምጥቃስ ቢቢሲ ሓቢሩ።
ብመሰረት እቲ ሓበሬታ እዛ ብብዙሓት ደቂተባዕትዮ፡ ጾታዊ ዓመጽ ዝተፈጸማ መዋቲት ህጻን፡ ብ 15 ግንቦት ኣብ ሓደ መቓብር ምስ ሓደ ዓርካ ክትራኸብ ቆጸራ ሒዛ ከምዝነበረትን እንተኾነ ግና እዚ ዓርካ ሓሙሽተ ርእሱ ኮይኑ ናብቲ መቓብር ብምምጻእ፡ ጾታዊ ዓመጽ ከምዝፈጸሙ ተፈሊጡ።
እቶም ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ተዘርጊሖም ዘለዉ፡ ዓመጽ እናወረዳ ዘርእዩ ስእልታት፡ ምስ ተዓዘበት፡ ፈጺማ ክትጾሮ ኣይከኣለትን፡ ዓለማ ጸልሚትዋ ክብል ኣቦኣ ንጋዜጣ ሀት ኒውዝባልድ ኣብ ዝሃቦ ቃል ገሊጹ።
ከንቲባ እታ ከተማ ብወገኑ፡ በቲ ዘጋጠመ ኲነታት ከቢድ ስንባደን ሓዘንን ከም እተሰምዖ ሓቢሩ’ሎ። እዚ ኲነታት፡ ካብ ፖለቲከኛታት በልጄም፡ ግብረ መልሲ ከም ዝፈጠረ እውን ተገሊጹ። ንሳቶም ከምዚ ዝበለ ጾታዊ መጥቃዕቲ ብኦንላይን ዝዝርግሑ ሰባት፡ ተሪር መቕጻዕቲ ክብየኖም ጸዊዖም ኣለዉ።
እዚ ፍጹም ክምኽነ ዘይክእልን ዘይሕጋዊን ተግባር እዩ ድሕሪ ምባል፡ ምስ ኲባንያታት ማሕበራዊ ሚድያ፡ ብዛዕባ ዝዝርግሑ ሓበሬታታት ብዝምልከት ክትዛተ ምዃና ሓንቲ ፖለቲከኛ በልጄም ገሊጻ’ላ። ሚኒስተር ፍትሒ እታ ሃገር፡ ነቲ ኲነታት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሰደዶ መልእኽቲ ትዊተር፡ “ዘሰንብድ ፍጻሜ እዩ። ንኽገልጾ ቃላት ይሓጽረኒ” ክብል ስምዒቱ ገሊጹ ኣሎ።