Wednesday , May 15 2024

ኣብ መንግስቲ ሽወደን ክልተ ደቀንስትዮ ሚኒስተራት ብዛዕባ እናወሰኸ ዝመጸ ጽልኢ ስደተኛታት መጠንቀቕታ ምሃበን ተገሊጹ።

ብምኽንያት ኣህጒራዊ መዓልቲ ሰብኣዊ መሰላት ሚኒስተር ባህሊ ሽወደን ኣማና ሊንደ ከምኡውን ማዕርነት ጾታ ኦሳ ሊንዳገን ገለ ሕሉፍ መርገጺ ዘለዎም ሰባት ኣንጻር ስደተኛታት ዝቐንዐ ናይ ጽልኢ ዘመተ ይዝርግሑ ምህላዎም ኣብ ዝጸሓፎኦ ዓንቀጽ ኣመልኪተን ኣለዋ።

እዚ ናይ ጽልኢ ጎስጓሳት ብፍላይ ኣብ ኢንተርነት እናዓበየ ይመጽእ ምህላዉን ንክብሪ ሰባት ዝትንክፍ ብምዃኑ ሓደገኛ ተርእዮ ምዃኑን ኣብሪሀን ኣለዋ። ካብዚ ሓሊፉ’ውን ኣብ መድረኻት ኮሜንትን ባይቶን እውን ይዘርቊ ምህላዉ ምዕዛበን ድሕሪ ምቅላዕ ” እዚ ንዴሞክራስያዊ ስርዓትና ስግኣት እዩ” ክብላ ኣጠንቂቐን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com